04 - ሰብ | Humanity |
ሰብ ኢልና ሰብ_ኣይ ንብል ፣ ከምኡ`ውን ሰብ ኢልና ሰበ_ይቲ ንብል ። ጀመርቲ ቃላት ክልቲኡ ጾታታት ሰብ ዝብል ቃል ምዃኑ ነስተብህል። ቅዱሳን መጻሓፍቲ ከመዘዘንትውዎ፡ መጀመርታ ዝተፈጥረ ሰብ እዩ፡ ብድሕሪኡ ተባዕታይን ኣንስታይን ጌሩ ፈጥሮም ድማ ይብሉ። ንወለዶታት ዝቐጸለ፡ ኣዳም እዪ መጀመርታ ተፈጢሩ ዝብል ኣረዳድኣ ውን ኣሎ። እቲ ሕቶ ግን መን መጀመርታ መጺኡ መን ካልኣይ ሲዒቡ ዘይኮነስ ንሕና ደቂ ሰብ ካብ ኣየናይ መንነትና ንጅምር ወይ ንብገስ እዪ እቲ ዋና ነገር ።
ካብ ሰብ ምዃና ዶ ወይስ ካብ ፍልልያት ጾታና ፧ ግዝያት እውን ኣሎ ፡ ጸሊም'የ ፣ ኣፍሪቃዊ'የ ፣ ኤርትራዊ'የ ፣ ወዲ ዓዲ‘የ ፣ ስደተኛ'የ ... ወዘተ እናበልና ኣብ ጸቢብ ስነ ሓሳባት ዘበገሶም መንነታት ኣቲና ዓቕልና ክጸበና ይርኤ ፣ ከም ሳዕቤኑ’ዉን ኣብ ህልም ዝበለ ውግእን ፣ ሕንፍሽፍሽን ኣቲና ኣብ ጥፍኣት ንጽመድ።
ምናልባት’ዶ ሰብ ምዃና ብመጀመርታ እንተ ንቕበሎ ቀጺልና ካልኦት መንነታት ብካልኣይ ፡ ሳልሳይ ደረጃ…ወዘተ እንተ ንለብሶም ቁሩብ ትንፋስ ምረኸብና ፧
ነዊሕ ዓመታት ይገብር ህቡብ ድምጻዊ ኣቦና ተወልደ ረዳ ኣብታ "ሰብ ሙኻነ" እትብል ደርፉ -
"ሰብ ምዃነይ ሰብ ምዃነይ
ኣብ ዓለም ክነብር
ምኽኣሉ ምስኣነ"
ኢሉ ኣዝይሙ ኔሩ ።
ኣየይ! ንሕና ደቂ ሰባት ካን ሰብ ምዃን ከቢዱና ፧ እንታይ'ሞ ይበሃል ኮይኑ; ደቂ ሰባት መንነት ኣብዚሕና ፣ ትርጉም ዝህብ ኣሰራርዓ መንነት እውን ጠፊኡና ።
ሰብ ምዃን ክንዮ ምስትንፋስን፡ ምዝዋርን ምዝማድን ፡ ብልዕን መስተን ከመዝኾነ መብዛሕትና ንሰማማዕ ይመስለና፡ ገለ ገለ ግን ካብ ምስትንፍስን ምብላዕን ምስታይን ንላዕሊ እንታይ ትርጉም ከይህልዎ ዚብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ሰብ ምዃን ብዝተፈላለዩ መለኪዒታትን መግለጺታትን ክትንተን ይክኣል፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ርድኢትን ዘለዎም ወልቀ ሰባትን ሕብረተ-ሰባትን እውን ነናቶም መግለጺታት ኣብ ብዙሕ ሸነኻት ይሰማሙዕ ይኾኑ፡ ተጻራሪ መልእኽትታት እውን ክህልዎም ይኽእል።
ኣብ ሕብረተ-ሰብና "ሰብ ምሰል" ወይ ውን "ከም ሰብ ኩን" ዝብሉ ሓረጋት ዝውቱራት ኣበሃህላታት እዩም። ከምኡ እውን "ናይ ሰብ ዘይብሉ" ወይ "ዘይሰብ" ዝብል ኣገላልጻ ኣሎ። ወለድና እንታይ ማለቶም ኮን ይኾኑ፡ እንታይ ማለትኩም ኢኹም ኢልና ዝሓተትናን ዘጣለልናን ክንደይ ብዙሓት ከይንኸወን፡ የግዳስ ሰብ ምዃን እንታይ ከምዝመስል ኣዳዕዲዖም ከምዝፈልጡ የውከኣልካ። ግዜ ጠሊሉ ክሳብ ብርግጽ መልሲ ንረኽበሉ፡ ገለ ካብቲ ዚህበኩም ትርጉም መብዛሕትና እውን ንሰማማዓሉ ንኣብነት፡ ሰብ ኩን ከብሉ ከለው
· ከምቲ ስርዓትን ወግዕን ዝእዝዞ ኣደብ ግበር ስርዓት ይውሕደካ/ኪ ኣሎ ንምባል እዪ፡
· ግቡእካ ኣማልእ እውን የስምዕ ካባኻ ዝሕተት ምስ ዘይትግበር፡
· ትሓምቕ ኣለኻ እሞ ኣይትስነፍ
· ከም ሰብ ሕሰብን ኣገናዝብን ክንጠቅስ ንኽእል።
ብሕጽር ዝበለ እቲ ሕብረተ-ሰብ ንሓደ ሰብ ዝህቦ ትርጉምን መለለይ ረቛሒታትን ብግቡእ ዘማለአ ዓቢ ሰብ’ውን ይበሃል’ዩ፡ ብኣንጽሩ ሓደ ዘይስነምግባራውን ተተናዃልን ካኣ “ዘይሰብ” ወይ ካብ ሰብ ዘብሎ ደረጃ ይወርድ። እቲ ብሉጽነት ናይዚ ዓይነት ኣጠማምታን ኣበሃህላን፡ እቲ “ሰብ” ዘብለና ተግባራትን ጠባያትን እቲ ዝረአን ዝዕየርን ምዃኑ እዩ፡ በዚ መንጽር ከኣ እንታይነት ናይ ሰባት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ይትንተን።
ብኻልእ መዳይ ውሑድ ደኣ ይኹን እምበር፡ ከም ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተ-ሰባት፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና እውን ጎሲካ ክሕለፍ ዘይግብኦ፡ ግን ክእረምን ወጊድ ክበሃል ዝግብኦ ኣዘራርባን ኣካይዳን ኣሎ። ንኣብነት ንደቂ ኣንስትዮ ዘነኣእስ ቢሂላት “ንብዕራይ ኣብ መልሲ፡ ንሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ ጠብ ውይ ምህራም ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ዝገልጽ፣ ካልኣይ ኣብነት ንምጥቃስ ገለ ሰባት ወገኑን ዓሌቱን ደስ ዘየበሎም ወይ ንሓደ ሰብ ከነኣእሱ ከለዉ “ሰብ ጸውዑለይ እንተበልኩዋስ ብዓል በለስ” እንዳ ተባህለ ይግለጽ። እዚ ልምዲ ኣዘራርባ ካብ ሰንኮፍ ኣተሓሳስባ እዩ ዝንቅል፡፡ ተግባራትን ባህርን ናይ ሰባት ዘይኮነ፡ ኣቀዲሙ ዝዕይሮም ጾታ፣ ወገን ወይ ዓሌት ናይ ሰባት እዮም፣ ንዝምድናን ግስገሳን ዓንቃፊ ኮይኑ እውን ኣብ ብዙሕ እዋናት ንረኽቦ። ነዚ ልምዲ እዚ ብዝተኻእለ መጠን ያዕ ናይ ምባል ተሪር ድምጺ ከነስምዕ ይግባእ።
ሰብ ካብ ካልኦት ፍጡራት ፍልይ ከብሎ ዝኽእል፡ ናይ ምሕሳብን ምግንዛብን ተውህቦ ሰለ ዘለዎ እዩ። ስለዚ ካኣ ሓበሬታ ምእካብን ምኽዛንን ቀንዲ ባህርያትና እዩ። ነቲ መወዳእታ ዘይርከቦ ሓበሬታ፡ ብክፋላት ወይ ቀጸላታት መቓቒልካ (categorization) ምርዳእን ምኽዛንን ንስርዓተ ኣተሓሳስባና ሓጋዚ እዩ። እዚ ኣካይዳ ሰፊሕን ዝውቱርን ዝኾነ ናይ ወዲ ሰብ ባህሪ እዩ። ቀይሕ ካብ ጸሊምን ጻዕዳን፡ ኣወዳት ካብ ኣዋልድ፡ ኣፍሪቃዊን ካብ ኣመሪካውያንን ኤሮጳውያንን፡ ትግረ ካብ ትግርኛ፡ ንኣካላትና እውን ዓይኒ፡ እዝኒ፣ መሓውርን ወዘተን እንደ ከፋፈልና ሓበሬታ ንእክብን ንርድኦምን፡ እዚ ከኣ ልሙድን ዝቐለለን ኾይኑ ንረኽቦ።
ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ከም ዘረጋገጾ ግን፣ ምስ ከፋፊላክ ሓበሬታ ምኽዛን (categorisation) ዝዓቢ ኣሉታዊ ሸነኻት ኣሎ፡ ብፍላይ ካኣ ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናታት ንዝግበር ምክፍፋላት። እቲ ቀዳማይ ኣሉታዊ ሸነኹ ኣብ መንጎ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘሎ ፍልልያት ኣጋኒንካ ናይ ምቕራብ ኣመል እዩ። በቲ ካልእ ሸነኹ ካኣ ንኣባላት ሓደ ወገን ከም ፍልልያት ዘይብሎም ወይ ብብዙሕ ሸነኻቶም ተመሳሰልቲ ጌርካ ምቕራብ እዩ። እዚ መሰረት ናይቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ኣብ ወገናውነት ዝተምርኮሰ ኣካይዳ ዝኹስኩስ ዝንባለ እዩ። “ንሕና” ካብ ‘’ንሳቶም” ንፈልጥ፡ ንሓይሽ፡ ወይ ንበልጽ ናብ ዝብል መርትዖ እውን ይወስደና፡ በዚ ኣቢሉ ከኣ ምጽራርን ተጻይነትን ኣብ ሞንጎ ጉጂለታት ይዓብን፡ ንሓደጋ ይመርሕን።
እዚ ኣብ ናይ ጉጅለታት (ብሄር፣ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ሃገር ወይ ሕብሪ) ናይ ሓባር ረቛሒታት ተመርኲስካ ዝወሃብን ዝውርስን መግለጺ ዝምድና ወይ መንነት፡ እቲ ዝዓበየ ኣበሩ ኣብ ሓደ ጉጅለ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ናይ ባህሪ ፍልልያቶም ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ንጉጀለኻን ወገንካን ብጡርኑፍ ካብ ካልኦት ጉጅለታት ኣብሊጽካ ንኸተንብሮምን ክትሓስብን ዝግበር ፈለላዪ ልምድታቱ እዩ። እዚ ካኣ ወገንነት ዘማእከለ (egocentric) ኣከይዳ ይባሃል፣ ነቲ ሓደ ዘልዕል ነቲ ካልእ ዘነኣእስ ኣጠማምታ እዩ። እዚ ኣጠማምታ ብቀንዱ ነቲ ናይ ሓባር ሰብኣዊ መንነት ዝጎሰን፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ዝተፈላልዩ ጉጅለታት ዘለዉ ሰባት ናይ ሓባር ጠባያቶምን ድሌታቶምን ኣብ ግምት ዘየእቱን እዩ። እዚ ንሰብ ዝኸፋፍል ኣረኣእያ ኣብ ዓለምና ጠንቂን መሰረትን ናይ ዓበይቲ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኮይኑ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ። ኣስላም ምስ ክርስትያን፡ ጸሊምን ጻዕዳን፡ ቱትስን ሁትን እንደተባህለ ክንደይ ደም ዘይፈሰሰ፡ ገና እውን ይቕጽል ኣሎ።
ስለዚ እቲ ምርጫ ናባና እዩ፡ ዝኣክል ሓበሬታ ዘለዎ ዝሓሽ ወሳነ ይውስን ዲዩ ዝባሃል። እቲ ዝዓበይ ሰብኣዊ መንነትና እንዳ ኮስኮስና፡ ዝያዳ ሰብ ከብለና ዝክእል ባህርን ኣተሓሳባን ክንውንን ንቃለስ፣ ሰብኣውነትና ተላቢስና ነዛ ዓለም ፍቕርን ጣዕምን ክንውስኸላ እቲ ዝቐለለን ዓብዪን ጸጋ እዩ እሞ፡ ካብ ፈላለይቲ ኩርናዓት ንገለገል ንብለኩም።
Comments
Post a Comment