42 - መንእሰይ | Youth |

ንኡስ ክፍል' ሕብረተሰብ ዓድና ብከም እኒ በጽሒ : ጎርዞ ፡ መንእሰይ ክስየም እቲ ንቡር ኣጻዋውዓ ህዝብና ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ዕዮ ህዝብና ኣብ ኣተኣላልያን ኣጠማምታን ንኡስ ወለዶ ከመይ ይመስል ኣብ ዝብል ዓምዲ ሒዝና ክንትንትን ኢና።

ጎርዞ ዝብል ቃል ምንጩ ፡ ኣመጻጽእኡን ፡ ኣመዓባብልኡን ኣብዚ ሰዓት እንተዘይ ተረዳእናዮ ፡ በጽሒ ዝብል ቃል ግን ምስቲ በጺሑ ፡ በቂዑ ፡ ኣኪሉ ዘስምዕ ኮይኑ ኣካላውን : ኣእሞሮውን ምብጻሕ ዘመላኽት ተስፋ ዘለዋ ቃል ኮይኑ ረኺብናዮ። ብኣንጻሩ መንእሰይ ዝብል ቃል ብክልተ ሸነኹ ክንርድኦ ንመርጽ።


ብቀዳማይ ደረጃ መንእሰይ ዝብል ቃል ፡ ኣብቲ ናይ ቀዳሞት ወለዲ ከም ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ  መጸውዒ ክፋል ሕብረተሰብ ዘይኮነስ ፡ ብዝያዳ ከም ገላጺ ኮይኑ ማለት ንኡስ እንክብሃል ሓድሽ ፡ ውልዶ ፡ ናብ ዕብየት ዝጠመት ቃል ኮይኑ ይቀውም ከም ዝነበረ ኣብ ዝገበርናዮ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ንርዳእ።


ብካልኣይ ይረጃ ወዲ ተባዕታይ ንዓቕመ ኣዳም ምስ በቕዐ : ከምኡውን ጓል ኣንስተይቲ ንዓቅመ ሄዋን ምስ በቕዐት ፡ ባህሊ ህዝብና ንደቆም የምስልዎምን ፡ ከም ምሉኣት ፡ ብቁዓት ሰባት ተቆጺሮም ብከም ኣሰያይማ ኣቶ ማለት ኣተወ ፡ ዘስምዕ ከምኡውን ወይዘሮ ወይ ካልኦት ዝዉቱሩት ኣሰያይማ ሂቦም ናብ ሕብረተሰብ ይጽንብርዎ ኔሮም እምበር ዘይካም ናይ ሎሚ ኣብ ሓዲግ መዲግ መንእሰይ ዝብል ስም ሂቦም ብከምኡ ብሓፈሻዊ ይሐድግዎም ከም ዘይነበሩ ንፈልጥ።


ብተወሳኺ ንሓድሽ ንኡስ ወለዶ ብኣወንታዊ እንክገልጽዋ : ጎበዝ ዝብል ቃል ወሲኾም ይስሕልዋም ፡  ንዝዓበዮ ሰባት ንክኾኑ የዳልውዋ ፡ ይቅርብዎም ከም ዝነበሩ ንርዳእ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘበን ዘሎ ህዝብና '' መንእሰይ  ተሰፋ ሃገር እዩ" ዝብል ኣዝዩ  ዝውቱር ኣበሃህላ ንሰምዕ ፡ እንተኾነ ግዳ ኣብ ባይታ ወሪድና ምስ እንዕዘብ ምስቲ ኣሉታዊ ገጽ መንእሰይ ዝብል ቃል ዛዕባ ምንእኣስ ፡ ምንኣስ ፡ ንሓደ ሙሉእ ሰብ ኣንኢሰካ ምሓዝ  ዝብል ኣረዳድኣ ተሰንዮ ጭብጢ ሒዙ  ፡ ንጹር ኮይኑ ንረኽቦ።


ኣብዚ ሎሚ እዋን መንእሰይ ዝብል ስም ንመን ይውክል ?


እዞም ኣብ ሃገርና ኣብ  መንእስይ ዝዕድመ ዝርከቡ ፡ ብመንጽር ኣብ  ከባቢና ዘለዋ ሃገራት መንእሰይያት ዝዓምዎ ዕዮታት ከመይ ይመስል ?


" ንእስነት ዕዳ'' ዝብል ቢሂል ወለድና እውን ንሰምዕ ፡ ምናልባት ነዛ ቢሂል ብጌጋ ዝተረድኣ ኣእምሮ ንንኡስ ወለዶ ክሳብ ዕድኦም ዝኸፍሉ ኣብ መንእሰይ እትብል ስግንጢር ዝኮነት ቃል ነቀምጦም ዝብል ልቦና ዶ ይኸውን?


ኩሉ ነገር ብንእሽቶ ፡ ብንእስነት ፡ ክጅምር እኳ እንተኾነ እቲ ንቡር ፡ ቀጺሉ እውን እቲ ትማሊ ንኡስ ዝነበረ ዘበኑ በጺሑ ክዓቢ እንድዩ እቲ ሰናይ ፡ ኮይኑ ተሪፉ ነቲ ንኡስ ናብቲ ንቡር ዕብየት ዝወስዶ መንገዲ ተገዲፉ ብኣንጻሩ መንእሰይ ዝብል ቃል ህዝብና ከሲቱ ይርከብ።


ኣብዚ 21 ክፍለ ዘበን  መንእሰይ ዝብል ቃል ንንኡስ ወለዶ ደውታ ዝፈጥር ፡ ሓላፍነት ዘየስክም ፡  ብዝግባእ ገምጋም ተጌሩሉ  ናብቲ ዝነበረ ከም እኒ ኣቶ ፡ ወይዘሪት ፡ ወይዘሮ ዝብሉ ኣሰያይማ ክንምለስ ዝይዳ ክብርን ግርማን ሰብ ዝህብ ኮይኑ ረኺብናዮ፡፡ እቲ ዝነበረ ፡ ዝሰርሕ ዲና ዳግማይ ናብ ህዝባዊ ዝርርብና ክንምለሶ ፡ ሓዲሽ ኣጠማምታ ጌርና ፡ ሓዲሽ ኣሰያይማ ንኡስ ወለዶ ዲና ክንገብር እሞ ሓዲሽ ተክእሎታት ክንፈጥር ፡  እንጥቀመሎም ቃላት ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብ ልብን ቀልብን ሕብረተሰብና ክፈጥርዋ ዝክእሉ ስእልታት ስለዘለዎም ብምስትውዓል ከነ ቁሞም ይግባእ፡፡


ጉዳይን ግዴታን ተፈጥሮ ኮይኑ ኩሉ ዝተወልደ ይኣርግ እዩ እሞ :  ንሎሚ ንንኡስ ወለዶ ህዝብና ኣብ መንእሰይ እትብል ቃል ኮለል ኣቢልና  እርጋን ከይተርክቦም  ንዕብየት ንመነየሎም : ንዕብየት ንጸውዓዮም እንዳበልና ንፍለየኩም፡፡


ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ

Comments

Popular Posts