51 - ራኢ | Vision |
ራኢ'ለኒ ሕልሚ፡ ሕልሚ ናይ ትማሊ
ሂወተይ ክቕይር፡ ናብ ዝሓሸ ትልሚ ትምኒተይ ከስምር፡ ናብራይ ክቅይራ መፍትሕ ናይ መጻኢ፡ ሽግር ከባርራ መዘና ኣልቦ፡ መለክዒ ብልሒ ተስፋ ናይ ጽባሕ፡ ዝደምቕ ከም ወርሒ ኣሎ'ዲዩ መስፈሪ፡ ንራኢ ዝዕይር እንታይ ከም ዘሎ፡ ቅድመይ መሊኡ ዝነግር ዓቢ'ዩ ማዕበሉ፡ ናይ ራኢና ጉዕዞ ኣትሪርና ንሓዞ፡ ናይ ሂወትና ስቴርሶ ናይ ዉሽጠይ ባህጊ፡ እቲ ዓቢ ነገር ሕልናይ ዘዕርፍ፡ ናይ ቀጻሊ ምንባር ንዉሽጠይ ዝገልጽ፡ ዓይነይ ዝመልኣለይ ክቕጽል'የ ጉዕዞይ፡ ክሳብ ዝበርሃለይ ዓወት ተወልደፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
Comments
Post a Comment