37 - ዕሰለ | Coming Together |
"ሰለ'ሆ፣ ዕሰለ፣ ዕሰል ...ዓሻ ድየ ኣብ ማይ ዝዓስል" ዝብል ደርፊ ሓደ ካብ`ቶም ኣብ ምዝዛም መርዓ ዝድረፉ ዝውቱራት ደርፊታት ህዝብና እዩ። ብተወሳኺ ዕሰለ ዝብል ኣበሃህላን ኣዘያይማን ምስቲ ኣብ ግዜ ኣክራማት ፡ ድሕሪ ማይ ምውቅዑ ዝወጹን ፡ ዝነፍሩን ሓሳኹ ብምትእስሳር ቆልዑ ዝደርፍዎ ሙዃኑ ንዕዘብ፡፡
ብዝኾነ ዕስለ ዝብል ቃል እንተ ኣብ መርዓታት ሃገርና ድዩ ተደሪፉ ፡ እንተ ቆልዑ ድዮም ኣብ ግዜ ክራማት ደሪፎሙሉ ፡ ዝምድና ዕስለ ብቀረባ ምስ ማይ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡
ብሐደ ወገን እቲ ኣብ መርዓ ዝድረፈሉ ዕሰለ " ዓሻ ድየ ኣብ ማይ ዝዓሰል" ክብል እንከሎ ፡ እቲ ቆልዑ ዝደርፈሉ ዕስለ ድሕሪ ማይ ምውቁዑ ዝወጽእ ዝነፍር ሓሰኻ እውን ማይ እንክወቕዖ የሰስኖ ፡ ሂወት ይህቦ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን ፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ማይሲ ንዕምሪ ዕስለ መሕጸሪኡ ኮይኑ ንረኽቦ።
ኣጠቃቅማ ዕሰል ዝብል ቃል ኣብ ኣበሃህላ ህዝብና ምስ እንዕዘብ ከም እኒ ''ነዚ ዕላማ ንዕስሎ '' ፡ ''ነዛ ጉዳይ ንዕስላ” ዝብሉ ዝውቱራት ኣገላልጻታት “ብሓባር ንምጻእ” ፡ “ብሓባር ንዕየይ” ዝብል መልእኽቱ የመሓላልፉ።
ከም መተኣሳሰሪ ነጥቢ ‘ዕሰለ’ ዝብል ኣምር ከም ዕዮ ህዝቢ ምስ እንግምግሞ፡ ብሓደ ወገኑ ምስ ማይ ብምትእስሳር እንክግለጽ : ብካልኣይ ሸነኹ ምስ ብሓንሳብ ምዕያይ ሙዃኑ ነስተብህል። የግዳስ፡ ከም’ቲ ኣብ መርዓታትና ዝዝየም "ዓሻ ድየ ኣብ ማይ ዝዓስል" ዝብል ሓረግ ውን ቅርብ ኢልና ክንሪኦ ዘገድድ ኢዩ። እቲ ሓሰኻ ክረምቲ ዶ ኾንዩ ነዚ ማይ ፡ ማይ ምልክት ሂወት እንብሎ "ዓሻ ድየ ኣብ ማይ ዝዓስል" እንዳበለ ኣብ መርዓታትና ዝዳፈረናን ዘባጭወልናን? እዚ ምባሉኸ፡ እቲ እንቅርቦ ማይን እንጌራን ንምቁንጻብ ዶ ይኸውን፧ ወይስ እዚ እንስሳ’ዚ ብፍጥረቱ ማይ ስለዝጸልእ’ዩ ? ኣዳለውቲ እዚ መደብ ‘ዕሰለ’ ነቲ ዝቖመ ኪዳን ወይውን ነቲ መግለጺ ሓጎስ ዝኾነ ማይን እንጌራን ንምቁንጻብ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን፡ ብኣንጻሩ እኳ ድአ ‘ዕሰለ’ ንስለ`ቲ ሓጐስ ክዓስል ይደሊ እሞ... ተመሊሱ ከኣ እሰከ ኪዱ ... ክንየዉ ማይ ግበሩ ዝብለና ዘሎ ይመስል። አብ ምንቲ ምነታይሲ መርዓ ን ማይን ጀመርቲ ንዝዓበየ በረኸትን ሂወትን እምበር መዛዘሚ ስለዘይኮኑ።
ቀጺልና እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ሕቶታት ንርእስናን ንሰማዕትና ንኸነስተንትነሎም ንዕድም።
ብብሕትና ኣበይ ንዓሰል ? ታሪኽ ዝዓስልክዋ ጉዳያት ከመይ ይመስል ፧
ህዝብና ኣብዚ ሎሚ ዘበን ኣበይ ዓሲሉ ይርከብ ፧
ብብሕትና ወይ ከም ሕብረተሰብ " ዓያሹ ዲና ኣብ ማይ ንዓሰል'' ዝበልናሉ ታሪኽ ወይ ዘበን ኣለና ዶ፧
ኣብ ልብን ቀልብን ህዝብና ምዕሳል ፡ ብሓባር ምምጻእ መጀመርታ ድዩ ወይሲ መወዳእታ፧
ሕብረተሰብና ንምዕሳል (ብሓንሳብ ምዕያይ) ይንእድን የመስግንን እኳ እንተኮነ ፡ ምዕሳለና ምዕሳል ሃመማ ኣብ ጎሓፍ ከይከውን : ካብ ሓሊፉ እውን ኣብ ግናይ ፡ ክፋእ : ግፍዒ ፡ ሕነ ምፍዳይ ፡ እንታይ ገደሰኒ ህልም ይብሉ … ወዘተ ኣብ ዝብሉ ኢሰብኣውያን ባህርያት ዓሲልና ከይንህሉ፡ መዕሰሊና ጉዳይ ከነስተብህለሉ ነዘኻክር፡፡
ምዕሳል ከም ምዕሳል ዝጻላእ እኳ እንተዘይኮነ ምዕሳልና ድምጺ እቲ ብሕታዊ ሰብ ፡ ድምጺ እታ ሓፍትና ፡ ድምጺ እቲ ሓውና ንስለቲ ዕስለ ዝድምስስ ከይከውን ፡ እንታይ ደኣ መሰል እቲ ብሕታዊ ሰብ ዘክብር ፡ ግርማ ሰብ ዝሕሉ ኳታ ልዕልና ሰብ እቲ እምነ መሰረት ሕመረት ምዕሳልና ክኸውን ንጽውዕ፡፡
ቀጺልና ኣብ ዕስሉ ኢልና ኣብ እንሕተተሉ እዋን ፡ ከምቶም ወለድና መልሲ ደኣ ንሃብ ፡ ስቅ ኢልና ዕስለ ኣብ ዝተጸውዖ ምጽንባር ሲ ሓደጋታታቱ ብዙሕ እዩ እሞ ፡ ምክንያት መተኣካባቢና ፡ መዕስሊና ጽብቅ ጌርና ንፈትሽ ፡፡
እቲ ደርፊ ዕስለ በሉ ግርማ ተዓደሉ እዩ ዝብል እም ፡ እቲ መልስና ድማ “ግርም ! ግርማና፡ ግርማ ሓፍትና ፡ ግርማ ሓውና ንቅበል” ክኸውን ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ምዕሳልና ልዕልና ሰብ ንሙቛም እንተኾይኑ ቀጺሉ ካልእ ኩሉ ሰሰናዩ ክስዕብዩ ንብለኩም፡
Comments
Post a Comment