34 - ኑዛዜ | Rehabilitation |

 ኣብ ዕላላት ሕብረትሰብ ሃገርና : ብሓደ ወገኑ " ኑዛዜ ኣለዋም '' ፡ " ኑዛዜ ኣለወን' '' እንክንሰምዕ ፡ ብካልእ ወገን ከኣ  ተናዚዙ እንድዩ : ተናዚዛ እንድያ ምስ እንሰምዕ ሓውሲ ምስክርነት ፡ ቃል ተዋሂቡ እንድዩ የስምዕን የረድእን።

ኑዛዜ ኣብ መዝገበ ቃላት ግእዝ ትግርይና ብ ምጽንናዕ ፡ ምእባድ ተርጊምዋ ይርከብ።


ኣብቲ ዝሓለፈ ዘበን ስርዓት ኑዛዜ ንቤተ ክህነት ጥራይ ዝግደፍ ዕዮ ህዝቢ ከም ዝነበረ እንዳ ኣነጸርና : ኣብዚ ሎሚ እዋን እውን እዚ ርዲኢት ተቀይሩ ኣሎ ኢልና ኣይንሓስብን፡፡


እንተኾነ ግን ነቲ ናይ ቤተ ክህነት ን ቤተክህነት ገዲፍና ኑዛዜ ኣብዚ ሎሚ ዘበን ከም ዕዩ ህዝቢ ከመይ ይመስል ኣብ ዝብል ዓምዲ ኣቶኹርና ጦብላሕተና ከነካፍል ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ቀሪብና ኣሎና፡፡


ብብሕትና ኮነ ፡ ከም ህዝቢ ንመስርሕ ኑዘዜ ንክንኣቱ ዘገድዱና ክልተ ክስተታት ተከታቲሎም ምስ ዝፍጸሙ እዬም ኢልና ንሓስብ ፡፡ ንሳቶም ካኣ እቲ ቀዳማይ  ረሲኣን ምስ እንኸውን  ፡ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ፡ ውጽኢት ረሲኣን ምኳና ፡ ማእዝና ምስ እንስሕት ፡ ስሕተት ይፍጽም ማለትና እዩ።


እቲ ቀዳማይ ንሕና ደቂ ሰባት እውነተይና ኩነታት ሰብኣውነትና ምስ እንርስዕ ፡ ረሲኣን ፡ እቶም ዝረስዑ ምስ እንኸውን እዩ፡፡ 


ብግርማን ፡ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጠርና ሰባት ምኳና ምስ እንርስዕ ፡ ረሲኣን ኮይና ንተርፍ ማለትና እዩ።


እቲ ካልኣይ ነታ  ቀዳመይቲ ረሰዕቲ ፡ ረሲኣን ምኳና ስዒቡ ዝኸናወን ተግባር እዩ ፡፡ ከምቲ መንገድና ንሰሜን ክኸይድ ዝግብኣና ግናኸ ማእዝና ስሒትና ናብ ደብብ ገጽ ንግስግስ ፡ ከምኡ ከኣ ምርሳዕ ዝፈጠሮ ጸገም ፡ ማእዝን ሂወትና ጠፊኡና : ናብ መንገዲ ዓመጽ ፡ ጌጋ ፡ ገበን ገጽና እንስሕት እዩ ፡ ስሕተት ተፈጺሙ ክንብል።


ንዓና ኣዳለውቲ እዚ መደብ ኑዛዜ ማለት ምጽንናዕ ፡ ምእባድ ተፈጺሙ ፡  ማለትና እዩ።


ኑዛዜ ንዓና ደቂ ሰባት ተኽእሎታትና ጌና ኣየብቀዐን ፡ ኣይተወደኣን ይብልና።

ኑዛዜ ዛንታና ፣ ዛንታ ወለድና  ተስፋ ከም ዘለዋ  የረጋግጸልና ::

ኑዛዜ ነቲ ልቡ ብስሕተት ዝተሰብረ ሰብ ፡ ህዝቢ ናብ ኣፍደገታት ምሕረት ፡ የመላኽታሉ።

ኣብ ኑዛዜ ዘኣተወ  ሰብ ፡ ኣብ ኑዛዜ ዝኣተወ ህዝቢ ካብ  ስምብራት ማህሰይቱ ተመሊሱ ናብታ  እውነተይና መንገዲ ይኣቱ እሞ ከም እንደገና  ክጉዓዝ ክጅምር ይከኣሎ፡፡

ምእንቲ`ዚ እዩ  እምበኣር`ወዲሰብ ብኑዛዜ ዝእበድን ፣ ዝጸናንዕን ኢልና እንሓስብ፡፡


ብምቕጻል ከምቲ ዝውቱር ኣካይዳ መደብና ንሎሚ እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ምስ ሰማዕትና ኮይና ከነሰተንትነላን ነተሓሳስብ ፡


  1. ኣገባብ ኑዛዜ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ህዝብና ከመይ ይመስል?

  2.  ንሙዃኑ መስርሕ ኑዛዜ ከም ዕዮ ህዝቢ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣለና ዶ?

  3. ካብ ዓንኬል ሓድሕዳዊ ዓመጽ ማለት ካብ ቀጻሊ ተጸምዶ ዓመጽ ህዝብና ብከመይ ከብ ስሕተት መንገዲ ክወጽእ ይከኣሎ ?

ኑዛዜ ንዓማጽን ተዓማጽን ፡ በዳሊን ተበዳሊን ብሓንሳብ ብኣገባብ ዘሕዊ ዝነበረ ሃብታም ኣረዳድኣን ኣነባብራን ሕብረlሰብና ብኸምኡ ንከይፈጠፍእ ፡ እንታይ ደኣ ህዝባውን ብሕታውን ረብሓታቱ ተረዲእና ኣብዚ ሎሚ ዘበን ብዕምቆት ክንላዘበሉን ፡ ክንዘራረበሉን ዘለና ዛዕባ እዩ ኢልና ንኣምን።


ኑዛዜ ጉዳይ ርሕራሔ ማለት እታ ሩሕና ፡ ሩሕ ሓፍትና ፡ ሩሕ ሓውና ኮይኑ ግን ካብ ምርሳዕ ዝፈጠሮ ስሕተት ኣሕውዮ ናብ መንገዲ ኪዳን ፡ ሓድሕዳዊ ክዳን ፡ ን ክንከዳደን ዝዕድም ፡ ዘሳትፍ ብሉጽ ጸጋ እዩ እሞ ካብ መልሲና ንገበን ፡ ዓመጽ ፡ ብ  ካልእ ገበን ፡ ዓመጽ  ኣብ ምፍዳይ ወጺእና ሰርዓት ኑዛዜ ንምረጽ ብምባል ንሎሚ ኣፍለየኩም፡፡

ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ

Comments

Popular Posts