33 - ሓዘን | Grief |
ንሕና ደቂ ሰባት ውጽኢት ዝተፈላለዩ ዝምድናታት ዝኾና ፡ እቲ ሂወት ዝነበሮ ን ዘለዋ ዝመድናታትና ተበቲኹ ኢልና ምስ እንኣምን ን ንሓስብን እሞ ከኣ ብዘይ ፍቃድናን ድልየትናን ኮይኑ ኢልና ምስ እንርዳእ ኣብ ሓዘን ንጽመድ፡፡ ሓደ ካብቶም ዝምድናታት ምብታኽ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ካብ መቕርብ ቤተስብና ፡ ብጾትና ፡ የዕርኹትና : ብሞት ምስ ዝፍለዩና ኣብ ሓዘን ንኣቱ ማለትና እዩ። ዝምድናታ ደቂ ሰባት ናይ ብሓቂ ድዩም ዝብተኹ ወይሲ ኣይብተኹን ዝብል ካልእ ሕቶን መደብን ኮይኑ ፡ ንዓና ደቂ ሰባት ምፍልላይ ፡ ሞት እነፍቅሮም ፡ እንፈትዋም ገጢሙና ኢልና ምስ እንኣምን ኣብ መስርሕ ሓዛን ንርከብ።
ሓዘን ከም ዕዩ ህዝቢ ኣብ ሕብረተሰብና ክንክንግምግሞ፡ ኣብቲ ኣገባብ ሐዛን ዝኾነ ኮይዲ ካብ ስርዓት ቀብሪ ጀሚሩ : ሳልስቲ : ዓሱር : ተስኻር ክንዳተባህለ ተኸታቲሉ ይከናውንን ይፍጸምን:: እዚ ካብ ወለድና እንዳተወራረሰ ዝመጸ ኣገባብ ሐዘን ኣብዚ እንነብሮ ዘለና ዘበን ብኸመይ ክከናወን ይግባእ ዝብል ሰፍሕ ዝበለ መጽናዕቲ ተዋሂብዋ ክጽናዕ እኳ ዝግባእ እንተኾነ ፡ ብወገና ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መደብና መባእታዊ ኣረዳድኣና ንሰማዕትና ከነካፍል መጺእና ንርከብ፡፡
ብተወሳኺ፡ ኣገባብ ኣተሓዛዝና ህዝብና ብመንጽር ኣብ’ዚ ሎሚ ዘበን ብምዕራባውያን ተመራርመቲ ስነ-ኣእምሮ ማዕቢሉ ዝርከብ መስርሕ ሓዘን ማለት፡
1 - ዘይምቅባል (Denial)
2 - ሕርቃን (Anger)
3 - እንካን ሃባን ፡ ምልዛብ (Bargaining)
4 - ምቅዛን (Depression)
5 - ምቕባል (Acceptance)
ዝብሉ ደረጃታት ኣተሓሒዝና ክንግምግሞን ክንዘራረበሉት ክንፍትን ኢና።
ኣብ ታሪኽ ህዝብና ምልስ ኢልና ምስ እንምልከት ኣገባብ ሓዘን ማሕበራዊ ገጽ ሒዙ ክከናወን ከሎ ንዕዘብ ፡ ብኣንጻሩ ኣብዚ ሐዲሽ ወለዶ ኣገባብ ሓዘን ውልቃዊ መልክዕ ሒዙ ስርዓት ኣልቦ ኮይኑ ንርእዮ። ሓዘን ሓበራዊ ምዝኸውን : ማሕበራዊ ሕውየት ይሓትት ፡ ሓዘን ውልቃዊ ምዝኸውን ድማ፡ ውልቃዊ ሕውየት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብምዃኑ፡ ውልቃዊ ዝዓይነቱ ሕውየት ንምንዳይ ኣብ ኮለልን ቀባባሕን የንብር፡፡
ብዝኾነ ኣብዚ ሎሚ እዋን ህዝብና ኣገባብ ሓዘን ጠፊእዎ ኣሎ ኢልና ንኣምን፡ ንኣብነት ህልቂት ላምፐዱዛ ምስ እንምልከት ፡ ከም ህዝቢ ብሓባር ምሕዛን ሸጊሩና ገለ ክፋላት ህዝብና ኣፍሪቃውያን እዬም እቶም ዘሃለቁ፡ ስለዚ ድማ ናትና ሓዘን ኣይምልከቶምን ዝዓይነቱ ኣረኣእያ እንከማዕብሉ፡ ገለ ክፋል ህዝብና ኣብ ከቢድ ሓዘን ጥሒሉ ክሓዝን ከሎ ሪኢና ኢና። ኣብ ከምዚ ህሞት ብሓባር ክንሓዝን ዘይምኽኣልና፡ ከም ሕብረተሰብ ሓባራዊ ሕዉየትና ንምርካቡ ኣብ ዘጸግም እዋን ኣለና ንብል። ስለዚ ድማ፡ እቲ ብተስካር ፡ ብምዝካር ፡ ብምዝኽኻር ዝግበር ዝነበረ ፡ ከም ውጺኢቱ ምሉእ ሕውየት ዝርከቦ ዝነበረ መስርሕ ሓዘን ወለድና ኣበይ ኣቢሉ ኢልና ሃሰስ ክንብሎ ኣገዳሲ ሕቶ እዚ ዘመን ኮይኑ ንረኽቦ።
ዕዮ ህዝብና፡ ኣብ ግዜ ሓዘን ፡ ንሓዘንተኛ ፡ ምጽንናዕ ይሓትት ፡ ከመይሲ ከም’ቲ ብክልተ እግርና እንዳከድና እታ ሓንቲ እግርና ምስ እትጠልመና ሰንከልከል ኢልና ክንጸንዕ ን እንፍትን ከምኡውን መቅረብ ዝሞድናታትና ብሞት ምስ ምዝፍለዩና ሰንከልከል ንብል እሞ፡ ደገፍ : ምጽንናዕ ሓውና ፡ ሓፍትና ፡ ኮታ መቕርብ ስድራቤታት ፡ ዓዲ ስለ እነናድይ’ዩ ፡፡ ከምኡውን ኣብ ግዜ ሓዘን ፡ ሂወትና ጉድጓድ ዝተፈጥሮ ኮይኑ ይረኣየና እሞ ነቲ ዝጎድጎደ ክንመልኦ ፡ ክንድብሶ ኢድ ከባቢና ንጥምት እሞ በቲ ሃብታም ኣገባብ መስርሕ ሓዘን ሕብረተሰብና ከኣ ንድበስ።
ከም መዛዘሚ ጽሑፍና፡ “ሓዘን ንመን እዩ ዝሕዘኖ ፧ ንመዋቲ ወይሲ ነቲ ዝተርፍ ፧” ዝብል ሕቶ ከነልዕል ንመርጽ
በበሃህላ ህዝብና እቶም ዝሞቱ ሲ ዓሪፎም እንዲና እንብሎም፡ እንተ እቶም ዝተረፍና ግና ሂወት ሓዘን ገዲፍና ቅድሚ እታ ዘይትተርፍ ዕለት ዕረፍትና ፡ ሓድሕድና ዕረፍቲ እንረኽበሉ ሰናይ ዕዮ ንኽንፍጽም ፡ ሰብኣዊ ጻዊዒትና ኢዩ ኢልና ንሓስብ። ሓዘን ኣካልን ክፋልን ሰብን ሰብኣዊነት እዩ። ብኣገባብ ን ብምልኣትን ምስ እንሐዘን እዩ ናብ ንቡር ደበስን ሕውየትን ክንምለስ ዝከኣል እሞ ፡ ን ሓዘን ብዝምልከት፡ ኣቋራጭ መንገዲ ነወግድ ብምባል ንፍለየኩም፡፡
Comments
Post a Comment