26 - ሓፋሽ | Masses |

ኣብ ህዝብና ኣመጻጽኣን ፡ ኣመዓባብላን  "ሓፋሽ '' ዝብል ኣምር ምስ እንዕዘብ ነዊሕ ታሪኻዊ ሱር ዘለዎ ዘይኮነስ ፡ እንታይ ደኣ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘበን ዝተቀልቀለ ቃል ኮይኑ ፡ ብሕጽር ዝበለ ባዕዳዊ ሰነ ልቦና ዝጸለዎ ቃል ኮይኑ ንረኽቦ። ሓደ ህዝቢ ቃላት ካብ ባዕዳውያን ክመሃርን ፡ ከአንግድ የብሉን ማለትና ዘይኮነ ፡ እቶም እነአንግዶም ቃላት ድዮም ፡ ስነ ሓሳባት ኣብ ብቁዕ መጽናዕትን ፡ ርድኢትን ኣፍልጦን ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምንቶ ኣሎና። እዚ ምዝኸውን ህዝቢ ይግስግስን ምዕባሌ ይረጋገጽን።


ሓፋሽ ዝብል ኣጠማምታ ምስቲ ሓፈሻዊ ፡ ብጥቅሉሉ : ብድምሩ ኳታ ንሓደ ሰብ ከም ተራ ሰብ ቆጺርካ ብእኩብ ምርኣዩን ፡ ምምሕዳሩን የመላኽት፡፡  ኣምር ‘ሓፋሽ’ ብዛዕባ እተኣከቡ ሰባት ኮይኑ፡ ንሰብ ክንዮ ተራ ሰብ ክርእን ከስተብህልን ኣይክእልን። ንሕና ይቂ ሰባት ሕብርና ምስ ዝድምሰስ ወይ እውን ምስ ዝሃስስ ሕብረተሰብ ምቋም ተሪፍና ኣብ ሓፋሽ ዝብል ኣምር ሪዒምና ከም እኩባት ኣእማን ኮይና ህያውነትና ኣጥፊእና ንእከብን ንመሓደርን ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር፡  ኣዳለውቲ እዚ መደብ፡ ኣንጻር ሕብረተሰብ ሓፋሽ እዩ ኢልና ንሓስብ፡፡


ንሐደ ህዝቢ  ሕብሩ ደዊንካ ፡ ሕብረቱ  ኣጽኒትካ ፡ ፍልልያቱ  ደምሲስካ ብመስርሕን ኣገባብን ስነ ልቦና ሓድነት ጌርካ ሓፋሽ ይቐውም። ሓፋሽ ዝብል ኣምር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ጠቂስናዮ ዘለና እንተ ኮይኑ ፡ ከም ዕዬ ህዝቢ ኣቋውማ ህዝብና ኣብዚ ዘበን ከመይ ይመስል ፧


ሓፋሽ ወይስ ሕብረተሰብ ፧

ኣበየናይ ዘበን ኣቋውማ ህዝብና ሕብረተብኣዊ  ኔሩ ፧

ህዝቦና  መኣስ ካብ ሕብረተሰብኣዊ ናብ  ሓፋሽ ዝዓይነቱ ጥርናፈ ተሰጋጊሩ ፧

ንብሕትና እውን ኣባል ሓፋሽ ዶ ጌርና ንርእያ ወይስ ኣካል ሕብረተሰብ ፡

ዝብሉ ሕቶታት ንርእስናን ንሰማዕትናን ከነስተንትነሎም በዚ ኣጋጣሚ  ንጽውዕ፡፡


ብልምዲ ሓፋሽ ዝብል ስነ ሓሳባት ምስቶም ብዴሳዊያን ስርዓታት ዝምርሑ ኣህዛብ ብምትእስሳር  ብብዝሒ ይግለጽን ይትንተንን እኳ እንተኾነ ፡ እቶም  ርእሰ-ማላዊ  ስርዓተ ቁጠባ ዝኽተሉ ኣህዛብ ዉን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዕዳጋን  ኣህላኽነትን ዘቶኮረ ኣድህብኦም፡ ንዉልቃዉነት ብምዕዳም ናብ መንገዲ ሓፋሽ  ዝወስድ ዕንወትን ሐደጋን ከም ዘለዉ ከነስተብህል ንኽእል።


ኣብ ዝተፈላለዩ ቑጠባዊ ስርዓታት ይኹኑ ፖለቲካዊ ስርዓታት፡ ንደቂ ሰባት  ከምቲ  ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ከም ተራ ሰብ ብምርኣይ ብእኩብ ክመሓደርን  ክእለን ምስ እንዕዘብ፡ ሕብረተሰብኣዊ ዝምድናታት ክጓድሎ እንከሎ ነስተብህል እሞ ፡  ሓፋሽ ዝማእከሉ ምትእክካብ ህዝቢ ጸረ ሰብኣውነት ሙኳኑ ነጺሩ ይረኣዮና ። ብሕታውያን ሰባት ሕብሮም ኣለልዮም : ሕብረት መሪጾም ሕብረተ-ሰብ ክምስርቱ ይከኣሎም። ብኣንጻሩ ውልቃውያን ሰባት ሕብሮም ተደምሲሱ ብመስርሕ ሓድነት ጸርዮም ተራ ሰብ ኮይኖም ሓፋሽ የቊሙ::


ኣብ መወዳእታ እምበኣር፡ እቲ እንምነዮ ንፍለጥ ! ከም ህዝቢ ዘሕብረና ሃሰስስ ንበል ! ምንጪ መልክዕና ዝኾነ ዝተፈላለየ ሕብርና ዝድምስስ ሓደገኛ ሃጠው ቀጠው ሰነ-ልቦና ሓድነት ኣወጊና ዓወት ሕብረተና ንመነ እናበልና ንሎሚ ንፍለየኩም::

ዓወት ንሕብረትና ! . . . ዓወት ንሕብረተሰብና!

 ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ

Comments

Popular Posts