25 - ሕብረተ-ሰብ | Society |

ሕብረተሰብ ዝብል ኣምር ብሐደ ወገኑ ሕብረት ናይ ሰባት እንከመልክት ብካልእ ወገኑ ሕብሪ ናይ ሰባት ኣብ ሕብረቶም እዩ ንምባል ሙዃኑ ንርዳእ። ንሕና ደቂ ሰባት እምበኣር ፡ ኣምር ሕብረት ክንፍጽም ምስ ዝኸብደና ብስም ቀሊል መንገዲ ናብ ኣምር ሓድነት ገጽና ብምግስጋስ ሕብሪ ገጽና ፣ ገጽ ሓውና ፣ ገጽ ሓፍትና ኮታ ሕብሪ ህዝቢ ተደምሲሱ፡ ብሓደ ሕብሪ ንኽንስራሕ ንጽዋዕ ። ግዝያት’ውን ኣሎ ሕሉፍ ሓሊፉ ብትግሃትን ጻዕርን፡ ሕብረትና ደምሲስና ብሓድነት ክንትክኦ ነግሀ-ጸብሐ ክንሃልኽ ንውዕል።


ኣብ ኣበሃህላ ህዝብና ምስ እንምለስ፡ ብሐደ ወገኑ "ሕብረተ-ሰብ" ዝብል ቃል ኣዝዩ ዝውቱርን ፡ ርዱኡን  ቁቡልን እንኽከውን፡ ብካልእ ወገን ''ሓድነት-ሰብ" ዝብል ኣበሃህላ  ሰሚዕናን ርኢናን ኣይንፈልጥን። ኣብዚ ሓዲሽ ወለዶ፡ ኣብ ሞንጓ ሓድነትን ሕብረትን ዘሎ ዕምቆትን ፍልልይን ከይተነጸረ፡ ህዝብና ኣብ ሓደጋታት ስነ-ሓሳብ “ሓድነት”ን ውጽኢቱን ተደኒሱ ይርከብ፡፡


ህዝቢ ብዝተፈላለየ ደረጃ፡ ሕብረት ከቕውም ምስ ዝበቅዕ ብሕብረተሰብኣዊ ደረጃ ይቆቀም። ብኣንጻሩ ህዝቢ ብቅዓት ሕብረት ሸጊርዎ፡ ብስም ሓድነት ምስ ዝእከብ ሓፋሽ ከቅውም ይከኣሎ። ህዝቢ ሕብረተሰብ ካብ ምቋም ዓዲ ውዒል ምስ ዝኸውን ''ሓፋሽ" የቅዉም ማለትና እዩ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ህዝብና እቲ ናይ ወለዱ ሃብታም ኣሰራርዓ ሕብረተሰብ ተሓዲግዎ ብስም ሓፋሽ እናተኾብኮበ ክነብር ከሎ ንርኢ።


ብዛዕባ ሓፋሽ ዝብል ኣምር  ብዕሙቅ ዝበለ ኣብ ዝመጽእ መደብና ክንትንትኖ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ  ንሰማዕትና እናሓበርና፡ ናብ ናይ ሎሚ ዛዕባ ሕብረተሰብና ክንምለስ። ኣብ ህዝብና ብቤተ-ሰብ ፡ ብስድራ-ቤት ፣ ማይ-ቤት ፣ ዓዲ ተሰራሪዑ ብሕብረተሰብኣዊ ኣቋውማ ይነብር ከም ዝነበረ ዓድታት ህዝብና ምልስ ኢልና ከነስተብህለሉ ይከኣል። ምስ ምምጻእ ባዕዳውያን ህዝብና ነቲ  ሕብረተሰብዊ ኣሰራርዕኡ ኣብ ክንዲ ምህብታም ብኣንጻሩ፡ ሕብሪ ገጻትና ዝኾነ ሕብረተሰብኣዊ ኣምር ከም ድሑርነት ተቖጺሩ እነሆ ብተራ ሰብ ወይ’ውን ሓፋሽ ህዝቢ ቆይሙ ንረኽቦ። ኣብ ምድምሳስ ሕብረተሰብኣዊ ኣምር፡ ባዕዳውያን ኮነ ምሁራን ሊሂቃን ህዝብና ዉን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ኢዮም። ኮይኑ ድማ እዛ ሃገርና ብከይዲ ሕብረተሰብኣዊ ዝኾነ ኣጠማምታ ዘይኮነ ብስነልቦና ሓፋሽ ቆይማ ትርከብ። 


ኣዳለውቲ እዚ መደብ፡ ህዝብና ካብዚ ገጢምዋ ዘሎ ውድቀት ንክናገፍ እንተኾይኑ፡  ናብቲ ንቡር ሕብረተሰብኣዊ ኣሰራርዓ ክምለስ ኣለዎ ዝብል እምነትን ርዲኢትን ኣሎና። ቀጺሉ እውን እታ እነፍቅራ ሃገርና ሕብርና እተርኢ ፣ ሕብረትና እትምስክር  ፣ ብሕብረተሰብኣዊ ኣመላኻኽታ እተሰርዐት ሃገር ምስ እትኸውን እዩ ሰላማዊት ፣ ሃገረ ፍትሕን ሽሻይን ክትከውን ዝከኣላ ኢልና ንርዳእን ንሓስብን፡፡ እኩበ ሰባት ወይ’ውን ሐፊስ ሓፋሽ  ምዃን ይጽነሓልና፡  ናብቲ ኑቡር ህዝቢ ዓለም ፡ ንቡር ወለድና ዝኾነ ኣቋውማ ሕብረተሰብና ንመለስ ብምባል ንፍለየኩም፡፡


ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ


Comments

Popular Posts