22 - ሞባኹዕቲ | Activist |

 መስርሕ ለዉጢ ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ዓለሞ ምስእንስተብህል፣ ይንኣስ ይዕበ ኣብ ነፍሲወክፍ ለውጢ ደረክትን ኣቃላጠፍትን ከምዘልዉ ንርዳእ። ለዉጢ ኣብ ሕብረተ-ሰብ፡ ዉሽጣውን ግዳማውን ብዝፈጠርዎ ጽልዋታት ክመጽእ ንቡር’ኳ እንተኮነ ፡ መን እዬም ናይ ለውጢ ኣሳሰይቲ ኢልና ምስ እንሓትት እዞም ብቋንቋ እንግሊዝኛ ኣክቲቪስት ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣብ ቅድሚት ይመጹ።  ንሎሚ ብዓይነ ልባና ሕብረትሰብና ዝተድረኸ፡ ሓሳብና ብዛዕባ እዞም ኣሳይቲ ለውጢ፣ ምስቲ ኣዴታትና ዝጥቀማሉ መቧኵዕቲ ብምምስሳል ክንገልጾ ኢና። ፡

መቧኵዕቲ እንክንብል እቲ ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ጣይታ ንምስንካት ዝጠቀማሉ ማይ ብሑቕ ምኳኑ ንስሕቶ ኣይመስለናን። ብምቅጻል ስእሊ መቧኩዕቲ ንክህልወና፡ ካብቲ ዝቀደመ ብሑቅ ዝተራፊ ኮይኑ፣ ምስቲ ዝመጽእ ብሑቅ ከም መቧኵዕቲ ኮይኑ ይዓዪ። ብመቧኵዕቲ ዝተለውስ ብሑቕ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ መዓልቲ ወሲዱ፣ ሓፍ ይብል እሞ፣ ንክሰንከት ይዳሎ።  ብተወሳኪ፡ ኣብ ዝተፈላዩ ዝብላዕን ዝስተዩን ውጽኢታት፡ መቧኩዕቲ (ለቢቶ) ሓደ ነገር ናብ ካልእ ነገረ ንክልውጥ ዓቢ ናይ ምቅልጣፍ ተራ ይጻወት እዩ።

ዕላማ መንቀሊን ጽሑፍና ነቲ " Activist " ዝብል ቃል እንግሊዝኛ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ትርጉም ክንረኽበሉ ሃሰስ ንምባል ዘይኮነ፡ ኣብዚ ኣብ መጽናዕቲ ዕዮ ህዝዚ ተጸሚድናሉ ዘሎና መደብ፡ ኣየናይ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብና እዩ፡ ንህዝቢ ኣብ ናይ ለዉጢ ዕዮ ዝጸምዶ፧ ምስ ምንታይ ዝወቱር ዝኮነ ስራሕን ኣምራን ከ ክመሳስል ይኽእል ዝብል ልቦና ዘንቆሎ እዩ። ጥቅሚ መቧኵዕቲ ኣብ ህዝብና፡ ምስዞም ናይ ለውጢ ኣሳሰይቲ ብዙሕ ምምሳልክ ስለ ዘልዎም፡ መባኹዕቲ እንተበልናዮም ኣይቅየሙናን ይኾኑ።

ኣብ ታሪኽ ህዝብና ምስ እንዕዘብ እዞም መቧኵዕቲ ህዝቢ ኢልና ሰሚናዮም ዘለና ክፋል ሕብረተሰብ፡ ንህዝቢ ቤተ ጽሎት ኣብ ምስርሕ ድዩ ወፊራ ኣብ ምውህሃድ ድዩ ፡ ብሓፈሽኡ ዝተፈላለዩ ማሕበራውያን ንጥፈታት ዘዋሃህዱን ዘሳልጡን እዮም። የግዳስ ከምቲ ንለባማትን ትሑታትን ንጹር ዝኾነ መለለይ ስም ዘለዎም፡ ነዞም ኣካል ሕብረትሰብ ዝኮኑ እሞ ኣገዳሲ ዕዮ ዝዓሙ መለለይ ስም ኣይረኸብናሎምን። ምናልባት፡ ከምቲ መቧኵዕቲ ኣካልን ክፋልን ብሑቕ  ኮይኑ ዝዓዪ ፣ ከምኡውን መቧኵዕቲ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰቦም ኮይኖም ስለ ዝዓዩ፡ ምፍላዮ ኣገድስነት ኣይተረክቦን ኮይኑ ዶ ይኸውን። ብተወሳኪ ዝዓይዎ ስራሕ ኣንነታዊ መንነት ንምክሳብ ዘይኮነ፡ ብጻዕሮምን ሃለክለኮምን ንህዝቦም ናብ ዝልዓለ መድረኽ ዘንቀሳቕሱን: መንፈሱ ሓፍ ኣብ ምባል ዓቢ ተራ ዝጻወቱን እዮም።

ብንእሽቶይ ጀሚሮም ንሕብረተሰብ ናብ ለውጢ ንክድርኽዋ፡ ነቲ ናብ ለውጢ ዝደፍእዋ ህዝብን፡ ነቲ ዝመጽእ ለውጥን ከም ኣካሉ ኮይኖም የሳሰይዋን የከናውንዋን፡፡ መስርሕ ለውጢ ካብ ንእሽቶ ናብ ዓቢ፡ ወይ ድማ ካብ ዓቢ ናብ ንእሽቶ ይኸይድ እኳ እንተኾነ፡ መቧኵዕቲ ነቲ ካብ ንእሽቶ ናብ ዓቢ ዝከይድ ለውጢ ይኽተሉ። በዚ ከኣ ካብ ካልኦት ናይ ለውጢ ባእታት ይፈለዩ።

ኣብ ቡዙሕ እዋናታ መብኩዕቲ፡ ከም መራሕቲ’ውን ይስመዩ እዮም፡ ካብ መራሕቲ ዝፈልዮም ገለ ነጥብታት ግን ኣለዎም። መራሕቲ ዓቢ ራኢ ሃልይዎም ንሕብረተሰብ ክመርሑ፡ ንራእዮም ከተግብሩ ዝንቀሳቀሱም እዮም። መቧኵዕቲ ግና ከም ልማድ ኣብ ዝተሓተ ቀጸላ ህዝቢ ብምስፋር፡ ንከባቢኦም ዝጸልዉን ለውጢ ዘሳልጡን እዮም። ብተወስኪ መቧኵዕቲ ኣብ ሂወቶዋ ዝተመኮርዎ፡ ብሓሳብ ይኩን ብጋህዲ ዝተለማመድዋ ለውጢ ኣብ ህዝቢ የስርጹ። ድምር እኩብ ናዚ ተሞክርታት ድማ ናብ ዝላዓለ ራእን መሪሕነት ክብጽሖም ይክእል እዩ።

ናብ እዚ እዋንና ተመሊስና፡ ኣብ ህዝብና ብቁዓት መቧኵዕቲ ኣለውና ዶ ኢልና ንሰማዕትና ክንሓትት ንመርጽ፡፡ ብወገና ''እወ" ወይ’ውን ''ኣይፋል''  ኣይንብልን፡ ግን ክኣ ሰማዕቲ ናትኩም ገምጋም ክትገብሩ ንዕድም።

 ንሕና ህዝቢ እኹልን ብቁዑን መቧኵዕቲ ምዝርከቦ፡ ሕብረት ኣቀዲሙ ናይ ሰብ ነገር ይገብር እሞ ሕብረተሰብ ይበሃል፡፡ ብኣንጻሩ ህዝቢ ብቁዓት መቧኵዕቲ ምዝስእን ልክዕ ከምቲ መቧኵዕቲ ዝሰኣነ ብሑቕ ዓይኒ ዘይብሉ ጣይታ ዘውጽእ ከምኡውን ህዝቢ የዒንቲ ልቦኑኡ የሳኣኖ እሞ፡ ግዳይ መለማመዲ ዝተፈላለዩ ሰነ ሓሳባት ሰብ ረብሓ ወይ እውን ዝንቡዓት መራሕቱ ይኸውን። ዓዲ ውዒል መቧኵዕቲ ዝገጠሞ ህዝቢ ከኣ ካብ ዕውረት ዝገደደ እውን ከምቲ ዝወደቀ ቡሑቕ ውድቀት ክገጥሞ ይከኣል፡፡

ኣብዚ መራኸቢ.ብዙሓን ማእለያ ዘይብሎም ኣብ ዝተፈላለዪ ህዝባዊ ዓምዲታት ዘተኮረ መደባት ኣዕለቕሊቑሉ ዘሎ ዘበን፡ ኣየናይ መልእክቲ እዩ ንተዛራቢኡ (ነቲ ዝምህሮ ዘሎ ) ለዊጡ ንህዝቢ ናብ ንጥፈታት ለውጢ ዝጸምድ ፡ ከም ውጺኢቱ ድማ ፍሬኡ ዝብላዕ እንጀራ ክበጽሕ ዝኽእል ፧ ኢልና ምምማይን ምስትብሃልን አገዳሲ ኮይኑ ይስመዓና። ኣብ መወዳእታ፡ ለባማት፡ ኣሳሰይቲ ለውጢ ንሙኻን ተሞክሮና ሃሰስ ንበል! እንዳበልና ንፋነወኩም።


ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ

Comments

Popular Posts