16 - ሃገረ-ሰብ | People’s Nation |
ከም ልማድ፡ "ሃገረ ሰብ" እንክንብል ወይ እንክንሰምዕ፡ ካብ ከተማ ወጻኢ ወይ ብትሕተ ቅርጺ ዘይማዕበለ፡ ወይ ኣብ ናይ ሕርሻ መናባብሮ ዝምርኮስ ሕብረተ-ሰብ ወይ ዓዲ ንምግላጽ ይመስለና። ኣድህቦ ሂብና ድሕሪ ብዙሕ ምስትንታን ግን፡ ሃገርን ሰብን ዘጣምር ቃል ሰፊሕን ዓᎁቕን ትርጉም ከይሃለዎ ኣይተርፍን’ዩ ኢልና። ኣብ ፈለማ ምስትብሃል ድማ ሃገር ናይ ሰብ ዝብል ትርጉም’ውን ቅጂል ይብለና። ካብዚ ብምንቃል ድማ ናብራ “ሰብ ሃገር” ወይ “ሃገር ናይ ሰብ”፡ ብኸመይ ከም ዕዩ ህዝቢ ክንበርን ክትንትንን ይከኣል ኢልና ንሓትት።
ኣብ ኣረዳድኣ ሕብረተ-ሰብና ሃገር እንክባሃል፡ ብሓደ ወገኑ ህዝቢ ከስምዕ እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኹ መሬት ወይ ዓዲ’ውን የረድእን የስምዕን እዩ። ምእንት’ዚ ኸኣ ክልተ ኣጠማምታ ሃገር ብዓይነ-ልቦና ህዝብና ፈላሊና ብምልዓል ከነነጽርን ንፈቱ፡፡
ሃገር ከም ህዝቢ፡
ኣብዚ ሃገር ከም ህዝቢ ዘረድእ ኣገላልጻ፡ ክንጸር ወይ ከም ሕቶ ክምለስ ዘለዎ፡ እቶም ሃገር እንብሎም ህዝቢ መን እዮም፧ መቸም ንሓደ ብሕታዊ ሰብ፡ እቶም ናይ መጀመርያ ህዝበይ ወይ ሃገረይ ዝብሎም ሰባት ወለዱን ቤተ-ሰቡን ከምዝኾኑ ኩልና እንሰማማዓሉ’ዩ። ቀጺልና ካብ ቤተ-ሰብን ስድራቤትን ዝሓልፍ ወይ ዝዓቢ ህዝቢ ኣለና ዶ ኢልና ምስ እንሓትት፡ መልሱ ኣብቲ ብጥሪ 1944 (ቅድሚ 75 ዓመታት) ብኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም እተጻሕፈ ዓንቅጽ ንረኽቦ፡
“ሰብ ናይ’ታ እተወልደላ ቤት ጥራይ ኣይኮነን። ሰብ ናይ’ታ ስም ዝሃበቶ ስድራ ቤት ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ንሱ ካብታ ክውለድ እንኮሎ ዝራኣየቶ ቤት ኣዚያ እትዓቢ ካልእ ቤት ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ሃገሩ እያ። ንሱ ካብቶም ብኽንደይ ክንክንን ብኽንደይ ፍቕርን ዘዕበይዎ ወለዱን ኣሕዋቱን፡ ኣዚዮም ዚበዝሑ ካልኦት ወለድን ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ኣሎዉዎ፡ ንሳቶም ድማ ደቂ ሃገሩ እዮም”።
እዚ ካብ’ታ “ሃገር” እትብል ዓንቀጽ ኣቦና ወልደኣብ እተወስደ ጽሑፍ፡ ነቲ ሃገር ናይ ሰብ ኢልና ዘቅረብናዮ መግለጺ ኣስፊሑ ይድርዖ። ምኽንያቱ ኣቦና ወልዳኣብ ኣብቲ ዓንቀጽ፡ “ሃገር ማለት ሰባት እዮም” ኢሎም’ውን ኣስሚሮምሉ ኣለዉ። ሰብ ዘማእከለ ሃገር ከምቲ ብኽንክንን ፍቅርን ዝናብዩ ሰድራ፡ ብሓድሕድ ፍቕርን ክንክክን ዘናብሩ ካብ ስድራና ኣዝዮም ዝዓብዩ “ደቂ ሃገር” ከምእንብሎም ወይ ከምዘለውና ይምህረና። ኣብ ታሪኻዊ ክውንነት ምስ እንውከስ’ውን፡ ቅድሚ ምስፋሕ ዓድታትን ከተማታትን፡ ተቐማጦ ደቂ ሓደ ዓዲ ወይ ቁሸት፡ ኣዝማድ ናይ ስጋ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። እቲ ናቶም ሓድሕድ ፍቕርን ክንክንን ከም ኣሕዋት ድማ ደቂ ሃገረ-ሰብ የብሎም። ምስ ምዕባይ ቁጽሪ ህዝብን ምስፋሕ ዓድታትን ግን፡ ከምኡ ድማ እቲ ሰብ ዘማእከለ ሓድሕድ ፍቕርን ምክንኻንን ዝገልጽ ዝምድናና ናብ ዝሰፈሐ ደረጃ ይድይብ እሞ፡ ህዝበይ እንብሎም ደቂ ሃገርና ይኾኑ። እዚ ድማ ዝምድናና ተኽእሎታት ኣብዚ ከይተዓግተ፡ ናብ ደቂ ኣህጉርና ወይ ብጠቕላላ ህዝቢ ዓልምና’ውን ደቂ ሃገር ከምዝኾኑ የረድእ። ምኽንያቱ ኩልና ኣቢልና ኣቢልና ካብ ኣዳምን ሄዋንን ስለ እንብገስነ።
ቁጽሪ ይብዛሕ መሬት ይስፋሕ፡ ደቂ ሃገር ዝባሃሉ ህዝቢ፡ ሓድሕድ ፍቕርን ምክንኻንን ኣለዎም ዶ ኢልካ ምሕታት እቲ መሰረታዊ ነግር ኮይኑ ንረክቦ። ኣብ`ዚ 21 ክፍለዘመን ደቂ ሃገር ምስ እቲ ብሕታዊ ሰብ እንታይ ዓይነት ዝምድና ይሃልዎም፧ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት መን ብዘየገድስ፡ እታ ሉኣላዊት እትብሃል ሃገርና ብኸመይ ሉኣላውነት ሰብ (ነበርቲ ሃገር) ትሕሉ ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣጥቢቓ ብምሕታት ን መሰላት ልዕልና ሰብ (ድቂ ሃገር) ምዉሓስን ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ይርኣየና።
ብዝኾነ ህዝብና ብሰላም ንመጻኢ ክነብር እንተድኣ ኮይኑ፡ ዝምድናታት ሰብን ሃገርን ዕቱብ ኣድህቦ ተዋሂብዎ ብቑዕ መልሲ ክርከበሉ ዘለዎ ሕቶ ኮይኑ ይረኣየና።
ሃገር ከም መሬት (ዓዲ)
ሃገር ከም መሬት ምስ እንርድኦ፡ ዝምድና ሰብ ምስ መሬት ከም ዕዩ ህዝቢ ከመይ ይመስል፧ ህዝብና ምስ'ቲ
መጽለሊኡ ዝሰርሓሉ፡ ዛልዩ ዝከናኸኖ፡ ሸንሺኑ ዝካፈሎ፡ ሓሪሱን ሚሒሱን መግቡን መግቢ እንስሳታቱን ዘዳልወሉ መሬት ዓቢ ምትእስሳር እዩ ዘለዎ። ሰብ ብዘይ ተፈጥራዊ ትሕዝቶም መሬት ክናበር ከምዘይክእል’ውን ናብራ ሓረስታይ ሃገርና ይምህረና እዩ። ስለዚ መሬትን ጸጋታታን ነቲ ግርማዊ ሰብ ናይዛ ዓለም ናብርኡ ከማልኡን ከማዕርጉን ዝተፈጥሩ እዮም። ብተወሳኺ ከም’ቲ ወለድና ቆልዑት ምስ ተባኣሱ፡ "ሓመዶም ወይ ጎልጎሎም ይዕረቆም" ዝብልዎ፡ ሓመድ ወይ ጎልጎል መውዓል ኩሉ፡ መሬት መተዓረቒ፡ ሰላም መምጽኢ'ውን ይውሰድን ይንበርን።
እሞ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ፡ ዳሓን ዝኾነ ርድኢት ሃገረ-ሰብ ብዓይነ ልቦና ወለድና ሒዝና ክንከውን ንተስፎ። ኣስዒብና ናብቲ ነዚ ጽሑፍ ዘንቀለ ሕቶና ምስ እንምለስ፡ ዝምድና “ሃገር” ን “ሰብ”ን ኣብዚ እዋን ከምይ ኣሎ ኢልና ንሓትት። ኣብዚ እዋን ሃገራት ዶባተን ሃሊወን፡ "ሃገረ መንግስታት" ካብ ዝበቕዓ ሓያለ ዓመታት ኣቅጺሩ ኣሎ። ዝምዳና ሃገርን ሰባትን’ውን ብ "ሃገራዉነት" ይግለጽ ኣሎ። ኣስዒብና ሃገራውነት እንታይ እዩ ኢልና ከነስተንተን ንግደድ። ሃገር ኣላትኒ፡ ኣላትና ክንብል እንኮለና እንታይ ማለትና ይኽዉን፧ እታ ናይ ሰብ ሃገር ብ “ሃገረ-ሰብ” እንረኽባ፡ ኣብዚ ሃገራውነት ብኸመይ ትንጸባረቅ፧
ኣብ ርድኢት ናይ ሃገረ-ሰብ ተሞርኪስና፡ ሃገራውነት ዜጋታት፡ ኣብ ሰብኣውነት ዝመሰረታ ሃገር፡ ከነባብሩላን ብሓድሕዳዊ ፍቕሪ ዝነብርዋን ክንብሎ ንኽእል። እቶም ሰባት ከኣ ሃገራውያን ንብሎም። እንተኾነ ኣብዚ እዋን ሃገራውነት፡ ተኣማንነት ንዘሎ ስርዓት ዝመስሎ ሓያለ ኣሕዋት ኣለዉ፡ ንሕና’ውን ኣይፋልኩምን ንብሎም።
ከምቲ ዶር ርእሶም ሃይለ ዝበሎ፡
“እቲ ዝመጽእ ወለዶ መጺኡ'ሎ ተንስኡ ብዓጀባ ንቀበሎ!”
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ርሕራሔ ዝመሰረቱ፡ ዓጀባን ምቅብባልን ደቂ ሃገር ኣይንርእን፡ እንታይ ዳ ኣሸሓት መንእሰያትና ዓሰርተተት ዓድታት ክመልኡን ከነባብሩን ዝግቦኦም፡ ንሃገሮም ገዲፎም ይስደዱ ኣለዉ። ኣብዚ’ዚ ሎሚ ዘመን መሬት ዘይብሉ ሰብ፡ ዉሕስነትን ክብረትን ንኽረክብ ኣይጽገምን፡ ብኣንጻሩ መሬት ሃልዩና ሰብኣዊ ክብረትን ዉሕስነት ስኢና ኣብ ፈቖዶ ሃገራት ሰብኣዉነትና ዘዉሕሳ ኣብ ምድላይ ንርከብ።
ስለ’ዚ ኣብ መወዳእታ፡ ተስፋ ንገብር ባህግን ምንዪትን ህዝብና ዛንታ ናብራ ሃገረ ሰብ ኮይኑ፡ ልዕልዕና ሰብ እተኽብር ልዕልቲ ዝኾነት ሃገር ክሃንጽ።
Comments
Post a Comment