09 - ዕርቂ | Reconciliation |
ከምቲ ህጻን ብዕርቃኑ ዝውለድ እሞ ምድርራብን ምንክብኻብን ናይ ወለዱ ዝሃርፍ፣ ናብራና ኣብዛ ዓለም ከኣ ዕርቃንካ ዘውጽ ምስ ሕብረትሰብካን ባህርን ብስኒት ክትነብር ዝቅስብ እዩ ኢልና ንሓሳብ። ናብ ስኒት ክመልሰና ዝኽእል እምበኣር ዕርቃና ምስ እነስተብህለሉ’ዩ። እቲ ናብ ስኒትን ማሙቕን እንምለሰሉ ሰናይ መስርሕ ወይ ተግባር ድማ ዕርቂ ኢልና ክንርድኦ ይከኣል ።
ዕርቂ ጽቡቕ፣ ዕርቂ ሰናይ፣ ሰብን እዝግን ዝፈትዎ ተግባር፡ ዕርቂ ንምፍጻም ግና ኣየናይ ወገና ዓሪቁ ኣሎ፧ መን እዩ ናብ ዕርቃን ዘቃለዓና፧ ምስ መን ኢና ኸ እንታዓሮቆ ኢልካ ምሕሳብ እቲ ናይ መጀመርያ ዕዮ ናይ ኩልና ክኸውን ኣለዎ። እዛ እንነብረላ ዓለም ዕርቃንካ ዘውጽኡ ዝተፈላለዩ ኩነታትን ነገራትን ዝተመልአት እያ። ንብጻዮምን ህዝባምን ዕርቃኖም ዘውጽኡ ዉልቀ ሰባትን ስርዓታትን’ዉን ውሑዳት ኣይኮኑን። ከምቲ ዕርቃኑ ዝወጸ ሰብ ነስሓይታን ቁርን ዝቃላዕ፡ ዝተገፍዑን ዝተበደሉን ሰባት ወይ ሕብረተ-ሰባት’ውን ንስደት፡ ድኹም ማሕበራዊ ዝምድና፡ ዘይርጉእ መንፈስ፡ ቂምታን፡ ቅርሕንትን ይቃልዑ። እዚ ኩነተ መንብሮ ከኣ ዘየቕስን፡ ጉልባብካ ዘቃልዕ እዩ። ንሕና ደቂ ሰባት ዕርቃና ከም ዝወጻእና ምስ ዘይንርእዮን ዘይነለልዪን፡ ናይ ዕርቃና ዕዉራት ንኸውን እሞ ከምሳዕቤኑ ኸኣ ንቆርር፡ ብኣስሓይታ ቁሪ ከኣ ንግረፍ። ከም`ቲ ኣስሓይታ ቁሪ ዝዘበጦ ዝባን ኴይና ኸኣ ነህተፍትፍ።
ጎነጽ ወይ ዓመጽ ኣብ ሞንጎ ሰባት ወይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምስ ዝነግስ፡ የግዲ ሰባት ዕርቃኖም ይወጹ። እቲ ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ ኣብ ቡዙሓት በደልን ማህሰይትን የውረድ። ህዝብታት ንሓድሕዶም ይበዳደሉን፡ ግዳያትን መሳርሕን ናይ ዓማጺ ስርዓት ከኣ ይኾኑ። ተመኩሮታቶም ድማ ንዝተፈላኡዮ ካልኦት ዕርቃናት የቃልዖም። ኣብ ከምዚ ህሞት፡ ዕርቂ ፡ ስላም ከንግስን ሰኒት ክምለስን ከም መሳርሒ ኮይኑ የገልግል። ብኻልእ ኣዛራርባ፡ እዞም ህዝብታት ሰላምን ስኒትን ከስፍኑ እንታይ እንተገበርና’ዩ ዝሓይሽ ኢሎም ክሓቱ ናይ ግድን እዩ። እዚ ዓይነት ሕቶ ኸኣ ንጉዳይ ዕርቂ ብኣስተብህሎ ክንምርምሮ ኣገዲድና ኣሎ። ከም ዝርድኣና፡ ዕርቃኑ ከምዝወጸ ዘስተብሃለ ሰብ ወይ ሕብረት-ሰብ፡ ዕርቂ እቲ እንኮ እኮ እንተዘይበልና ግን እቲ ዝዓዘዘ ኣማራጺ ምኻኑ ክግንዘብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ዝዓረቀ ዝባን ክዳን ዝደሊ ከምኡ`ውን እቲ ዝዓረቀ ሰብ ወይ ሕብረት-ሰብ ነቲ ክዳኑ ዝኾነ ብጻዩ ወይ ወገኑ ይደልዮ እሞ በዚ ድማ ናብ ዕርቂ ክኣትዉ ወይ`ውን ክፍጽሙ ይኽእሉ።
ብምቕጻል፡ ጉዳይ ዕርቂ ኣብ ሕብረተ-ሰብና፡ ንሰብ-ጉዳይ ዕርቃኖም ከምዝወጹ ክግንዘቡ ይሕግዞም ዶ ኢልና ክንሓትት ንደሊ። ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዕርቂ ኣብ ማንጎ ሰብ ጉዳይ ወይ ባዕላቶም ወይ ድማ ብዘመድ-ሸማግለ ክፍጸም ዝውቱር’ዩ። ኣብዚ ናይ ምዝርራብ መስርሕ፡ ኣብ ኩሉ እኳ ኣይኹን እምበር ዝውቱር ዝኾነ ትሕትና ዝመለኦ ለባም ኣበሃህላ ኣሎ። እሱ ድማ “ምስኻ ተባኢሰ ወይ ተዃሪየ እንታይ ዶ ከሲበ እየ” ዝብል እዩ፡ እዚ ድማ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ብምጉርፋጦም ክሳራ እንበር መኽሰብ ከምዘይረኸቡ ይእመኑ። እቲ ብዘመድ-ሽማግለ ዝካይድ መስርሕ ዕርቂ’ውን ብሰንኪ ጎንጺ፡ ወገናት ዕርቃኖም ከም ዝተቓልዑ ከስተብህሉ ዝሕግዝ መስርሕ እዩ ኢልና ንኣምን። ምኽንያቱ ብዓንደ ርእሱ እቲ ሕበረተ-ሰባዊ መንብሮ ብሓደሕድ ምምሩኻስን ምድግጋፍን ዝተሰረት እዩ፣ ጎንጺ ኽኣ ናይዚ ጸጋ ተኻፈልቲ ካብ ምዃን የተርፍ እዩ። ሳዕቤን ናይ ዕርቃንካ ምውጻእ ድማ ማሕበረ-ቁጦባውን ኣእምራውን ሃጓፋት የኸትል።
ዕርቂ ኣብ ዝዝረበሉ ዓውዲ ብዛዕባ ይቕረ ገለ ከይበልና ክንሓልፍ ኣይንደልን። ኣብ ዝምጽእ መደብና ብዛዕባ ይቕረ ኣስፊሕና ክንዝቲ እኳ እንቶኾና፡ ንሎሚ ፍልልያቶ ከነንጽር ንፈቱ። ይቕሬታ ናይ ብሕቲ ሰጉምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ዕርቂ ኣብ ማንጎ ክልተ ወይ ብዙሓት ዝግበር መስርሕ ምዝርራብ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሓደ ወገን ይቅረ ክብል ወይ ሕድገት ክግብርን ዘይተዳልወ ወይ’ውን ኣብ ቀረባ ዘየሎን ክኸውን ይኽእል እዩ። ዕርቂ ከም መስርሕ ፍትሒ፡ ዝርርብ ኣብ ሞንጎ ሰባት ኮይኑ፡ ሓቂ ዝንገረሉ፡ በደለኛ ሓላፍነት ዝወስደሉ፡ ካሕሳ ናይ በደል ዝዝረበሉ መስርሕ ጌርና ክንቆጽሮ ይካኣል።
ኣብዚ ከነስምረሉ እንደሊ፡ ዕርቂ ንኸቢድ በደል ዝወርዶ ዘሎ ህዝብና ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ መስርሕ ናይ ፍትሒ እዩ ንብል። በዚ ኣቐሚጥናዮ ዘለና ናይ ሕብረተ-ሰብና ኣረኣእያ ዝምራሕ መስርሕ ዕርቂ ድማ ዝበለጸ ውጺኢት ኣለዎ ሊልና ንምጉት። ምኽንያቱ፡ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ከም ህዝቢ ዕርቃና ከምዝወጻና ምስትብሃል ናይ መጀመርያ ኩነት መስርሕ ዕርቂ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። እዚ ማለት ኣደዳ ስደተ፡ ግዳያት ናይ ማሕበረ-ቁጦባውን ኣእምራውን ዕንወት ከምዝኾንና ከነስተንትን ኣገዳሲ እዩ። እዚ መስርሕ ዕርቂ፡ ጠንኪ ዕርቃና ብዕምቆት ክንፈትሽ፡ ንዝግቦኦ ሓላፍነት ከነሰክም፡ ከም’ውን ምስ መን ንዕርቅ፡ ብኸመይ ንዕረቕ ዘጠቃልል መስርሕ ክኽዉን ይግባእ። በዚ ኸኣ ናብቲ እንደልዮ ማሕበራዊ ፍትሒ ክንሰጋገር ከም እንኽእል ሩጉጽ እዩ።
አብ መወዳእታ እምበኣር፡ ሎሚ ብዛዕባ ዕርቃንካ ፣ ዕርቃንኪ ፣ ዕርቃና እንታይ ንብል ፧ ጸላኢና ይዕረቕ ዶ ንብል ንኸዉን፧ ገለ እነለልዪ፣ ብስሙ እንፈልጦ ዕርቃን ይህልወናዶ ይኸውን፧ ወይ ዉን ዕርቃንና ምርዳኡን ምቕባሉን ዘኽእል ትብዓት ይህልወናዶ ይኸውን፧ ዕርቃና ምስ እንግንዘብ ናብ ኣፈፌት ዕርቂ ንበጽሕ ፡ ዕርቂ ኽኣ ብወገና መዓጹኣ ኸፊታ እቶ ብምባል ትቕበለና እሞ ፣ ኣብ`ቲ ቤት ዝያዳ ሙቐት ፣ እልልታ ፣ ባህታን ሓጎስን ይኸዉን። ን ዕርቂ ዝመረጹ ፡ ኣብ ዕርቂ ምስ ፈጣሪኦም፣ ዕርቂ ምስ ነፍሶም ፣ ዕርቂ ሓድሕዶም ማሚቖም ይነብሩ።
ዕርቂ እዪ ሰናይ ፣ ዕርቃና ደኣ ነለልይ!
Comments
Post a Comment