08 - ፍትሒ | Justice |

ከምቲ ዝተቖጽረ ገመድ ዝፍታሕ ከምኡ`ውን ዝተኣሰረ ኢድ ፣ እግሪ ፣ ሰብ ፣ ኣተሓሳስባ፡ መንፈስ፡ ...ወዘተ ምፍታሕ ወይ’ውን ፍትሒ ይግብኦም እዩ። ፍትሒ ከምቲ ስድራቤቱ ዝኾኑ ቃላት ከም እኒ ፈትሐ ፣ ፍታሕ፣ መፍትሒ ዘመልክትዎ ካብ እስሩ፡ እተጠምረ፡ መከራ፡ ኣርዑት ምፍታሕ ወይ ምንጋፍ የስምዕ። እዚ ብኣእምሮን ልብን ሕብረተሰብና ብኸመይ ንርድኦን ንነብሮን ከነስተንትን ክንፍትን ኢና።

 

ኩሉ ዝተኣስረ ፍታሕ የድልዮ እዩ ክንብል ንክእል ዶ፧ ከምቲ ኩሉ ፍቱሕ ቅኑዕ ዘይከውን፡ ገለ እተኣስረ ከኣ ፍትሓዊ ኮይኑ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ብእምነት ን ፍቕርን ዝተኣስረ ቃል ኪዳን ሰናይ ነገር እዩ። ከምቲ መባልይቲ ይግበርኩም ኢሎም ስድራና ዝምርቕዎ፡ ብፍቕርን ምክብባርን ክጥጥዕ እንበር፡ ምፍታሕ ናይ ሰብ ኪዳን ከንደየናይ ፍታሕ ከይከውን። ብኻልእ ሸነኽ፡ ከምቲ ቀያዲ ልጓም በቲኩ ዝሃልል እንስሳ፡ ስርዓትን ሕግን ንዝጥሕስ ከኣ ምእሳሩስ ፍትሓዊ ዝኾነሉ እውንስ ኣሎ።  

 

ካብዚ ብዘይንእስ፡ ምፍታሕሲ ንዝተኣስረ ነብስን ኣተሓሳስባን ዝያዳ መድለዮ ኮይኑ ይስምዓና። ፍትሕ-ትሕ በል እኮ ዝባሃል። ዘይተፈትሐ ነብሲ፡ ብምትእስሳር ኣካላት ወይ ዝተረበሸ መንፈስ ይምልከት። እዚ ነጸብራቕ ናይ ዝተአስረ ውሽጣዊ ኣተሓሳባ እዩ። ኣተሓሳብና ብእንተታት፡ ድሑር ቢሂላት፡ ዘይምኽኑይ ስክፍታን ይእሰር እሞ፡ ምስኡ ከኣ ኣካላትና ይእሰር። እዚ ናይ ዓይነ ልቦናና ማእሰርቲ ድማ ኣብ ጸቢብነት የንብረና እሞ፡ ዓለም ብገፋሓን ዕንቃዓ ዕድላት ናይ ምንባር ከለዋ ትጸበና። ፍትሕ-ትሕ ዳ ንበል።

 

መቸም ናይ ናብራ ግድላት መናብርትና እዮም። ካብ ልቦና ወለድና ብዛዕባ ፍትሓዊ ኣናባብራን፡ ፍትሓዊ ኣፈታትሓ ሽግርን ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና ኢልና ንኣምን። ከምቲ ደቂስካ ክትሓድርጎረቤትካ ይደቅስ ዝብልዎ፡ ሰላምን ፍትሕን ናይ ከባቢና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣብ ምክሕሓስን ምድባስን ዝተመርኮሰ ኣፍታትሓ ጎንጺ ሕጊ እንዳ’ባ ውን ነቲ ሰናይ ጉርብትናን ሓበራዊ ምድግጋፍን ዝሰረቱ ሕብረትሰብ፡ ኩሉ ክድቅስን ፍታሕ ክረክብን ዝጽዕት እመስለና።    

እምባኣርከስ ሰነ ሓሰባት ፍትሒ ኩሉ ነገር ቁጻር ኣለዋ ፣ ዝተኣሰረ ኣለዋ ኢልካ ብምርዳእ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ምፍታሕ መድብ ኣቲኻ እትነብሮ መስርሕ ሂወት ጌርካ ክንርድኦ ኣይግባእን። ብሕጽር ዝበለ ጉዳይ ፍትሒ ከም ስልጣኔ ምብታን ከምዘይኮነ ከነነጽር ንደሊ፡፡ ብምቕጻል ፍትሒ እንታይ እዩ እቲ ዝፍታሕ ንምርዳእ ሰነ ልቦና ምእሳር ምርድኡ ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ንረኽቦ። ዝተበትከ ምስ ዝእሰር ፣ ዝተበተነ ምስ ዝእከብ  ወይ ዝጥመር እዚ እውን እቲ ካልኣይ ገጽ ናይ ፍትሒ እዩ ኢልና ንሓስብ። ምእሳር  ወለንታዊ  ምስ ዝኸውን ሕውየት ይፊጥር። እዚ ዓይነት መንገዲ ፍትሒ ብኪዳን ፣ ቃለኪዳን፣ ውዕል ብምትእትታው ይዛዘም። ምእሳር ፍቃድ ምስ ዝጓድሎ ፣ መቁሕ ይሕወሶ ። 

 ካልእ ክንጽር እንደልዮ እንተሎ ኣረዳድኣ ሕግን ፣ ቤት-ፍርዲን ምስ ፍትሒ ብምትእስሳር እዩ። ሕግን ቤትፍርዲን ብመጀመርታ ንደቂ ሰባት እሱራት (ተኸተልቲ) ናይ ዝተጻሕፈ ሕጊ ብምግባር ኣብ ሞጎት ኣእትዩ መርትዖታት ብምጥቃም ርትዒ ኣብ ምዉሓስ ክነጥፍ እንከሎ ብኣንጻሩ ፍትሒ ኣብ ምልላይ እስርቤት ደቂሰባት ከምሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ምንዳይ መፍትሒታት የተኩር ።

 

ሕግን ቤት ፍርዲን ፍትሒ ኣይህብን እንታይ ዳኣ ርትዒ ። ርትዒ ከኣ ብዛዕባ መን መርትዖታት ኣቕሪቡ መን ረትዐ፣ መን ሰዓረ፣ መን ተዓወተ ደኣ እምበር መን ፍትሒ ረኸበ ብዙሕ ኣየገድሶን። የዒንቲ ፍትሒ ሕዉየት፣ ባህታ፣ ውህደት፣ ምልኣት ከዘንተዎልና እንከለዎ፡ የዒንቲ ርትዒ ግን ክሽፈና  ካብ ምርኣይ ኸኣ ዘይምርኣይ ክመርጻ ይክእላ፡ ኣብ ሕግን ቤትፍርዲን ከኣ ይስልጥና።

 

ኣርሕቕ ኣቢልና ኣብ መዛዘሚ ዕድመ ወዲ ሰብ ምስ እንዕዘብ ምስ`ቲ ዝጾረ ልብስና ወይ`ውን ሰጋና ንፋታሕ ምኮና ነስተብህል። መራሕቲ ሃይማኖት፡ ገለ ዝተኣስረት ነፍሲ ከይትህሉ ካብ ዝብል ስክፍታ ንመዋቲ ሰብ ናይ ፍትሓት ስርዓት ውን ይፍጽሙሉ።

 

ኣብ መወዳእታ በዚ ሕቶ ንሰናበተኩም፡ ፍትሒ ዘይከፍቶ ሞቑሕ ይህሉ ዶ ኢልኩም ትሓስቡ፧


ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ

Comments

Popular Posts