01 - ስርዓት ቡን | Coffee Ceremony |
ዕላል ስርዓት ቡን ኣብ ሞንጎ ቆልዓን ዓባዩን።
ኣብ`ዚ ሀገር ኣመሪካ ብዛዕባ ዓጀባን ድምቀትን ስርዓት ቡን ዝተገረመ ቆልዓ ፣ "ዓባየይ ንምንታይ እዚ ኹሉ ጋዕገልጠም ፧ ንቡን ንምስታይ እዚ ኩሉ ሰራሕ" ብምባል ንዓባዩ ይሓታ እሞ...
ዓባዩ ፤ ለባም ሕቶ ዝወደይ እንተ እዛ ጋዕገልጠም ዝበልካያ ትርፊ ዘረባ ገዲፍካ ንእሽቶ ኢኻ እሞ ኣእምሮኻ ክፈቶ ። ሕተት ዳኣ`ምበር ዛዛሚ ኣዘራርባ ንእርጋን ይኹነልካ ብምባል ንዝያዳ ኣፍልጦን ፣ ምህሮን ንዕላል ትዕድሞ ።
ቆልዓ ፤ እስከ ንገርኒ ንምንታይ እዚ ኩለ ሰራሕ ኣንቲ ዓባየይ ብምባል ካብ`ቲ ዘስልጦ ዝነበረ ስራሕ ኣቚሙ ፣ ወንበር ስሒቡ ኮፍ በለ ።
ዓባዩ ፤ ግርም! ኮፍ በል ዝወደይ - ዓጀባ ቡን ንሸዉሃት ኣእዛና ፣ የዒንትና ፣ ኣፍንጫና ፣ የርዉየልና ብዓቢኡ ኸኣ ጣዕሚ ኣወል ፣ ካልኣይ ፣ ሳልሳይን ወልፊና የዉጻልና።
... ክውስኸልካ ኸኣ፣ እቲ ኣብ መኣዲ ቁርሲ ቡን ዝርከብ ዕላልን ወግዒን ንልብና ይፍውስ ብምባል ይምልሳ እሞ...
ቖልዓ ፤ ብምድንጻዉ ብኸመይ ኣንቲ ዓባየይ ፧
ዓባዩ ፤ ከመይ ዶ ኢልካ ዝወደይ ፧ ስርዓት ቡን ድሕሪ ኹሉ ኣቑሑ ቡን ምቅርራብ ቡን ሻሕ...ሻሕ...ሻሕ ብዝብል ድምጺ እናተቀልወት ምስ`ቲ ጸጸኒሑ ጣዕ...ጣዕ ዘድምጽ ቡን ብፍሉይ ወልፊ እዝኒ ብምርዎይ ትጅምር ።
ብምስዓብ ቡን ምሰ ተቐልወ ምኡዝ ሽቱኡ ምስቲ ቦሎኽለኽ እንዳበለ ዝወጽእ ትኪ ብኢድ ንክጋላህ ናብ ተሳተፍቲ ክቐርብ ከሎ ወልፊ ኣፍንጫ ፣ ዓይኒ ፣ ኢድ እዪ ዘርዊ።
ድሕሪ ምዉቃጥን ምፍላሕ ቡን ምስ ጥዑም ዕላል ተሰንዩ ኣብ ንኣሽቱ ፈናጅል ሰፊሩ ቐዳመይቲ ፣ ካልኣይቲ ፣ ሳልሰይቲ እናተባህለ ወልፊ ርእስና እዩ ዘርዉዪ።
ጥዑም ዝጠዓመት መልሓስ ከኣ ጥዑም ፣ ጥዑም ፣ ጥዑም እናበለት ኣፈኛ ኹለን ህዎሳትና ኾይና ጣዕሚ ትምስክር ኢለን ኣዘንተዎሉ።
ቖልዓ ፤ ኣየ ዓባየ ጽብቕ! እዚ ቀዳማይ ፣ ካልኣይ ፣ ሳልሳይ እንዳበልኪ ትደጋግምዪ ከ ደኣ ብዛዕባ እንታይ`ዩ ኢሉ ዳግማይ ሓተተ።
ዓባዩ ፤ ዝወደይ ኣወል ፣ ካልኣይ ፣ ሳልሳይ ኢልና ንደጋግሞ ሲ ንሕና ደቂ ሰባት ብተፈጥሮና ንጡዑምናን ፣ ሰናይናን ፣ ጽቡቕናን ቀቀልጢፍና ስለ እንርስዕ፡ ንግናይናን ፣ መከራና ግን ዘይንርስዕ ስለዝኾና እዪ ጥዑምና ብምደጋግሞ ልብና እንተ ተሰቆሮ ኢልና ኢና መለሳሉ።
ቖልዓ ፤ ዓሚቚ ጥበብ ዓባየይ ! ሎሚ ተማሂረ ። ኣማን ብኣማን የዒነተይ ከፊትክለይ ብምባል ካብ`ታ ኮፍ ኢልዎ ዝነበረ መንበር ተንሲኡ ናብ ስርሑ ወፈረ በልናኩም።
ኣብ`ዚ ሎሚ ዘመን ዝብላዕ ን ዝስተን ዘይተሳእናሉ ግዜ ኩልንትናዊ ሰብነትና ይምገብ ዶ ኣሎ ወይስ ስቕ ኢልና ኢና ብሸበድበድ ከስዕና ንመልኦ ዘሎና ኢልና ከነስተንትን ይከኣል ፧
ገለ ክፋላት ኣካላትና ጠምዩ ከይህሉ ኩልንትናዊ ሰብነትና ምፍታሽ ዘድልየና ይመስለኒ ፧
ጥዑምና እነለልየሉ ፣ ሰናይና ብዕምቈት ነስተማቕሮሉ ከምኡ`ውን እህህታና ፣ ስክፍታና እነካፍለሉ ፣ እንስማዓሉ ፣ ንሰማምዓሉ እዛ ንእሽቶ እዉን ትኹን መኣዲ ቁርሲ ቡን ዶ ኣሎና ኢልና ክንሓትት ይከኣል ፧
ኣየ ንሕና ናይ`ዚ ዘመን ሰብ መንበሪና ሸበድበድ ኮይኑ ፧
ኣብ ሸበድበድ መን ምስ ነበረ እሞ መንበሪ ኣድራሻና ክኸውን ፧
መኣዲ ወለድና ኣይኽልኣና !
Comments
Post a Comment