01 - ስርዓት ቡን | Coffee Ceremony |


ዕላል ስርዓት ቡን ኣብ ሞንጎ ቆልዓን ዓባዩን።


ኣብ` ሀገር ኣመሪካ ብዛዕባ ዓጀባን ድምቀትን ስርዓት ቡን ዝተገረመ ቆልዓ "ዓባየይ ንምንታይ እዚ ጋዕገልጠም ፧ ንቡን ንምስታይ እዚ ኩሉ ሰራሕ" ብምባል ንዓባዩ ይሓታ እሞ...

ዓባዩ ፤ ለባም ሕቶ ዝወደይ እንተ እዛ ጋዕገልጠም ዝበልካያ ትርፊ ዘረባ ገዲፍካ ንእሽቶ ኢኻ እሞ ኣእምሮኻ ክፈቶሕተት ዳኣ`ምበር ዛዛሚ ኣዘራርባ ንእርጋን ይኹነልካ ብምባል ንዝያዳ ኣፍልጦን ምህሮንዕላል ትዕድሞ

ቆልዓ እስከ ንገርኒ ንምንታይ እዚ ኩለ ሰራሕ ኣንቲ ዓባየይ ብምባል ካብ` ዘስልጦ ዝነበረ ስራሕ ኣቚሙ ወንበር ስሒቡ ኮፍ በለ

ዓባዩ ፤ ግርም! ኮፍ በል ዝወደይ - ዓጀባ ቡን ንሸዉሃት ኣእዛና የዒንትና ኣፍንጫና የርዉየልና ብዓቢኡ ጣዕሚ ኣወል ካልኣይ ሳልሳይን ወልፊና የዉጻልና።

... ክውስኸልካኣ፣ እቲ ኣብ መኣዲ ቁርሲ ቡን ዝርከብ ዕላልን ወግዒን ንልብና ይፍውስ ብምባል ይምልሳ እሞ...

ቖልዓ ፤ ብምድንጻዉ ብኸመይ ኣንቲ ዓባየይ

ዓባዩ ፤ ከመይ ኢልካ ዝወደይ ስርዓት ቡን ድሕሪ ኣቑሑ ቡን ምቅርራብ ቡን ሻሕ...ሻሕ...ሻሕ ብዝብል ድምጺ እናተቀልወት ምስ` ጸጸኒሑ ጣዕ...ጣዕ ዘድምጽ ቡን ብፍሉይ ወልፊ እዝኒ ብምርዎይ ትጅምር

ብምስዓብ ቡን ምሰ ተቐልወ ምኡዝ ሽቱኡ ምስቲ ቦሎኽለኽ እንዳበለ ዝወጽእ ትኪ ብኢድ ንክጋላህ ናብ ተሳተፍቲ ክቐርብ ከሎ ወልፊ ኣፍንጫ ዓይኒ ኢድ እዪ ዘርዊ።

ድሕሪ ምዉቃጥን ምፍላሕ ቡን ምስ ጥዑም ዕላል ተሰንዩ ኣብ ንኣሽቱ ፈናጅል ሰፊሩ ቐዳመይቲ ካልኣይቲ ሳልሰይቲ እናተባህለ ወልፊ ርእስና እዩ ዘርዉዪ።

ጥዑም ዝጠዓመት መልሓስ ከኣ ጥዑም ጥዑም ጥዑም እናበለት ኣፈኛለን ህዎሳትና ኾይና ጣዕሚ ትምስክር ኢለን ኣዘንተዎሉ።

ቖልዓ ፤ ኣየ ዓባየ ጽብቕ! እዚ ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ እንዳበልኪ ትደጋግምዪ ደኣ ብዛዕባ እንታይ` ኢሉ ዳግማይ ሓተተ።

ዓባዩ ፤ ዝወደይ ኣወል ካልኣይ ሳልሳይ ኢልና ንደጋግሞ ንሕና ደቂ ሰባት ብተፈጥሮና ንጡዑምናን ሰናይናን ጽቡቕናን ቀቀልጢፍና ስለ እንርስዕ፡ ንግናይናን መከራና ግን ዘይንርስዕ ስለዝኾና እዪ ጥዑምና ብምደጋግሞ ልብና እንተ ተሰቆሮ ኢልና ኢና መለሳሉ።

ቖልዓ ፤ ዓሚቚ ጥበብ ዓባየይ ! ሎሚ ተማሂረ ኣማን ብኣማን የዒነተይ ከፊትክለይ ብምባል ካብ` ኮፍ ኢልዎ ዝነበረ መንበር ተንሲኡ ናብ ስርሑ ወፈረ በልናኩም።

ኣብ` ሎሚ ዘመን ዝብላዕ ዝስተን ዘይተሳእናሉ ግዜ ኩልንትናዊ ሰብነትና ይምገብ ኣሎ ወይስ ስቕ ኢልና ኢና ብሸበድበድ ከስዕና ንመልኦ ዘሎና ኢልና ከነስተንትን ይከኣል

ገለ ክፋላት ኣካላትና ጠምዩ ከይህሉ ኩልንትናዊ ሰብነትና ምፍታሽ ዘድልየና ይመስለኒ

ጥዑምና እነለልየሉ ሰናይና ብዕምቈት ነስተማቕሮሉ ከምኡ`ውን እህህታና ክፍታና እነካፍለሉ እንስማዓሉ ንሰማምዓሉ እዛ ንእሽቶ እዉን ትኹን መኣዲ ቁርሲ ቡን ኣሎና ኢልና ክንሓትት ይከኣል

ኣየ ንሕና ናይ` ዘመን ሰብ መንበሪና ሸበድበድ ኮይኑ

ኣብ ሸበድበድ መን ምስ ነበረ እሞ መንበሪ ኣድራሻና ክኸውን

መኣዲ ወለድና ኣይኽልኣና !


Comments

Popular Posts